ዋና ቤት ፅሕፈት ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን

ጨረታ ምልክታ

ዋና ቤት ፅሕፈት ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋውያን ነጋዶ ዝኾንኩም ክትወዳደሩ ንዕድም::

ተጫረቲ ክማልእዎ ዝግበኦም ረቓሒታት

1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ቲን ቁፅሪ ዝተሓደሰ መቕረባይ ሰርቲልኬት ቫት ተመዝግብትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ 2016 ዓም ቫት ዲክለሬሽን ዘቕርብ

2. ዝተዳለወ ስፔሲፊኬሽን ካብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ፋይናንስን ምምሕዳርን ኣብ ምድሪ ቁፅሪ 08 ካብ 27/12/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ 50 ብር ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ምውሳድ ይከኣል "

3. ጨረታ መኽበሪ ብር 30000.00 ( ሰላሳ ሺሕ ብር ጥራሕ )ብመልክዕ ጥሪ ገንዘብ ፣ ብባንኪ ዝተረጋገፀ መአዚዚ ክፍሊት ቼክ ፤ ኣብ ኩነታት ውሕስና ባንኪ ወይ ብባንኪ ዝተረጋግፁ ሌተርኦፍ ክረዲትን ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ክትሕዝ ዝክእል ትክእል

4. ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅሕፈትና ንብረት ክፍሊ ክረክብ ዝኽእል ትኽእል

5. ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት 07/01/2018 ዓ/ም ሰዓት 8:30 ድ/ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 07/01/2018 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ሰዓት ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ዝኽፈት ኮይኑ እንተዘይተረኺቦም ውን ኣብ ዘየለውሉ ምኽፋት ዝከኣል ምዃኑ ርዱእ እዩ

6. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ : ኦርጅናል ሓደ ኮፒን ብዝተዓሸገ ፖስታ ማህተም ገይሮም ከቕርቡ ኣለዎም

7. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ሕልው እዩ ::

8. ኣድራሻና ጉና ህንፃ ልዕሊ ኣክሱም ሆቴል ዝርከብ እዩ

9. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914127310/0914772175 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል