ቤት ትምህርቲ አድቬንቲስት መቐለ

መቐለ 7ይቲ መዓልቲ ኣድቬንቲስት ሙሉእ 1ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምልክታ ጨረታ ክራይ ተሽከርካሪ

ቤት ትምህርቲ ሻብዓይቲ መዓልቲ ኣድቬንቲስት መቐለ ንተምሃሮ ሰርቪስ ኣገልግሎት ትውዕል ሓንቲ ኣውቶቢስ ኣውዳዲሩ ክካረ ይድሊ። ስለዚ ክትውዳድሩ እትደልዩ ወነንቲ እተን አብታሕቲ ዝተጠቐሳ ዓይነት ተሽከርከርቲ ዝኾንኩም ሰብ ሃፍቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዋጋ ዝገልፅ መረዳእታ ብዝተኣሸገ ፖስታ ገይርኩም ክሳብ ዕለት 03/13/2017 ዓ/ም ናብ ቤት ትምህርቲ ኣድቬንቲስት ክትእትዉ ከም እትክእሉ እናገልፅና ንዝብለፀ ሓበሬታ ኣብ ታሕቲ ብዘሎ ሰልኪ ቁፅሪ ደዊልኹም ምሕታት ትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።

ዓይነት መኪና

✓ በዝሒ ወንበር 63 ሰብ ወይ 45 ሰብ እትሕዝ።

✓ ናይ 2017 ዓ/ም ካላውዶ ዘሐደሰትን ዝለጠፍት፡

✓ ሳልሳይ ወገን ዘሐደሰትን

✓ ካልኦት ነዚ ዝተጠቐሰ ዓይነት አገልግሎት ንምሃብ ክማልኡ ዝግብኦም ሰነዳትን ፍቓዳትን ዘማልአት።

ዝርዝር ስራሕ

✓ ካብ ከባቢ ሰብዓ ካሬን ምድረገነትን ተምሃሮ ንጉሆን ምሸትን ናብ ቤት ትምህርቲ አድቬንቲስትን አገልግሎት ሰርቪስ ምሃብ

✓ ነዳድን ሹፌርን ረዳትን ካብ በዓል ዋና ተሽከርካሪ (ብባዕሉ የቕርብ)።

ቤት ትምህርትና ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ጨረታ ናይ ምስራዝ

0914757700/0914198989 ብምድዋል ምሕታት ትኽእሉ ምዃንኹም ንሕብር።