ማሕበር ረዲኤት ትግራይ

ጨረታ ምልክታ

ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ /ማረት/ ነዞም ዝስዕቡ ናይ ማይ መመርመሪ መሳርሒ ኣቁሑት (Water Quality Testing Equipements) ብጨረታ አወዳዲራ ንምዕዳግ ስለትደሊ። ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተጫረቲ በዚ ቀፂሉ ተዘርዚሩ ዘሎ መሰረት ክትወዳደሩ አትኽእሉ ምኻንኹም ንሕብር።

1. ናይ 2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ተጫረቲ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 607 /200.00/ ቅርሺ ከፊሎም ናይ ጨረታ ዶክመንት ክውስዱ ይኽእሉ።

2. ተጫረቲ ንግዲ ፍቓድ ዝተመዝገበሉ ናይ ቫት ሴርተፍኬትን ቲን ቁፅሪ ዝተመዝገብኩም ምካንኩም መረጋገፂ ሙሉእ ደኩመት ከቕርቡ ኣለዎም፡፡

3. ተጫረቲ ካብ ዘቕረብዎ ጠቕላላ ዋጋ 2% ክልተ ካብ ሚኢቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኸበሪ ሕጋዊነቱ ብዝተረጋገፀ ሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ኣለዎም።

4. ተጫረቲ ዝረተሉ ሰነድ ብዝተዓሸገ ፖስታ እዚ ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ማለት 28/12/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ 06/01/2018 ዓ.ም እዮ ። እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 06/01/2018 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት / 5:00 / ናይ ንጉሇ ይከዉን ። ስለዚ ናብ ማረት ቤት ፅሕፈት ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ስዓት እናመ ሰነድ ጨረታ ክገዝኡ ይኽእሉ፡፡

5. ጨረታ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ 06/01/2018 ዓ.ም ሰዓት 9:00 አብ ማረት ቤት ፅሕፈት ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኸብሉ ይክፈት:: ከምኡዉን ዶክመንት እንድሕር ተማሊኡ ተረኪቡ ንከፍት ምካኑ ንሕብር ።

6. አቲ ዝተዉሃበ በዝሒ ግፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ገንፂልካ ምትራፍ ኣይፍቀድን እቲ ዝመላእኩምዎ ጨረታ ሰነድ ቁቡል ከምዘይንገብሮ ነፍልጥ::

7. ሕድ ሕድ ገፅ ማሕተም ዕለት ፊርማን ክህልዎ : አለም :: ከምኡ ድማ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝትመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ : ዘለዎ እንተኮይኑ ተቀባልነት የብሉን።

8. ኣብቲ ጨረታ ዝተጠቀሰ ሞዴል (Specifcation) ምስራዝ ኣይካኣለን ።

9. እቲ መእዚ ሰነድ ድማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ የገልግል።

10. እቲ ድርጅት ዝሓሸ አማራ እንተረኸበ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ኾነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡