1 ተጫረቲ በቲ ዘርፊ ዝተሐደሰ ናይ 2018 ዓም ሕጋዊ ንግድ ፈቃድ መቅረባይነት ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ ከቅርብ ዝክእል
2 ኩሉ ዝተሐተተ ኮፒ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
3 ናይግብሪ መከፍሊ ቲን ናምበር ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
4 ናይ 2017 ዓም ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ደብተር ዘለዎ ኮፒ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
5 ቫት ዝተመዝገበን ናይ ቫት ሰርተፊኬት ኮፒ ከቅርብ ዝክእል
6 ናይ ቫት ሪፖርት ናይ ወርሒ ሰነ 2017 ዓም ወይድም ቅድሚ ጨረታ ምከፋቱ ዘሎ ሐደ ወርሒ ቫት ዲክለሪሽን ረፖርት ኮፒ ገይሩ አታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል
7 በዚ መምርሒ መሰረት ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ናይ ተጫረቲ ንፁር ዝኮነ ሽምን ፊርማን ኣድራሻን ሕጋዊ ማህተምን ኣብ ሕድሕድ ገፅ ክግበር አለዎ
8 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ቫት ዋጋ ሓዊሱ ብጥንቃቀ ንፁል ዋጋ ከቅምጡ አለዎም
9 ካብዚ ሰነድ ጨረታ ዋፃኢ ኣብ ካሊእ ሰነድ መሊእካ ምቅራብ ኣይፍቀድን
10 ተጫረቲ ቅድም ጨረታ ምከፋቱ ናይ ጨረታ መክበሪ በባንኪ ዝተረጋገፀ መኣዘዚ ክፍሊት ማለት እዉን ቼክ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ማለት እዉን ስፒኦ 150000 ከትሕዝ ዝክእል
11 ጨረታ ካብ ዕለት 26/12/2017 ዓም ክሳብ 5/1/2018 ዓም ሰዓት 1100 ኣብ ዘሎ እዋን ዝርዝር ሰነድ ኣብ እዋን ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ከተማ ዳባጉና ከይዲ ስራሕ ስልጠናን ምምሕዳርን ፋይናንስን ቀበሌ 01 ኣብ ዉሽጢ ቤት ፅሕፈት ቤት መዘጋጃ ቀፅሪ ዝርከብ ቤት ፅሕፈትና ቢሮ ቁፅሪ 1 ብምምፃእ ሕድሕድ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 500 ቅርሺ እናከፈሉ ሰነድ ጨረታ ክወስዱ ይክእሉ
12 ጨረታ ዕለት 6/1/2018 ዓም ሰዓት 330 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 430 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ይክፈት እንተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ብስርዓት ይክፈት ይግምገም
13 ተጫረቲ ንዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ኦርጅናል ንበይኑ ኮፒ ንበይኑ ኣብ ክልተ ፖስታ ብምዕሻግ ብምምፃእ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይክእሉ
14 ቴክኒካል ደኩምን ንበይኑ ፋይናንሻል ደኩምንት ድማ ንበይኑ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ምእታዉ ይክእሉ
15 ዊዝ ሆልድ ታክስ ምክፋል ግዴታ ምካኑ ምርዳእ የድሊ
16 ሰዓራይ ዉዕሊ ክኣስረ ከሎ ካብ ጠቅለላ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብስፒኦ ጥራይ ከቅርብ ዝክእል
17 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብመሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0914092123 0914504051 0963501502