ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ዝውዕል ስሌት ብላክ ቦርድ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ TOTተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ሰነ ወርሒ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፣

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር።

8. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣

10. ማ.ል.ት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት28/12/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኽፈት፡፡

ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!