ን2ይ ግዘ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ከተማ መቐለን ደቡብ ምብራቕን ከምኡ እውን ካብ ዞባታት ብሪፈር ንዝመፁ ናይ ትካል ሰራሕተኛታት ሓሚሞም ዝሕከምሉ ናይ ውልቀ ሆስፒታላት ብምውድዳር ሰራሕተኛታት ናይ ሕክምና ግልጋሎት ክረኸቡ ስለ ዝደሊ ነዚ ቀፂሉ ዘሎ ዝርዝር ረቋሒ እተማልኡ ትካላት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ ይዕድም፡፡
ዝርዝር መመዘኒ ረቋሕታት ዝምልከት
1. ተጫራቲ ናይቲ ሆስፒታል ብዓል ዋና ምኳኖም ዘረጋግፅ ፍቃ ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TIN/ ከቕርቡ ዝኸእሉን ከምኡ እውን ናይ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ፡፡
2. ተጫረቲ ካብ ዘቕርብዎ ጠቕላላ ዋጋ ካብ 2% ዘይነ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርቡ ይግባእ፡
3. ኣብ መቐለ ዝድለዩ _ በዝሒ ግልጋሎት መውሃብቲ ሆስፒታላት ክልተ እንትኾኑ ብመሰረት ትካል ዘደላዎ ቴክኒካል መመዘኒ ረቛሒ ወይ እስፔስፊኬሽን ከማልኡ ዝኸእሉን ቅልጡፍ ግልጋሎት ንምርካብ ናይ ባዕሎም ቆወምቲ ዝተፈላለዩ ሳብ ስፔሻሊስትን ስፔሻሊስትን ሓካይም ዘለዎም ሆስፒታላት ቅድሚያ ዝወሃቦም ይኸውን፡፡
4. ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ብብርኪ ሆስፒታል ኣፍልጦ ዝረኸቡ ትካላት ጥራሕ ይኾኑ፡፡
5. ተወዳደርቲ ኣብ ሆስፒታሎም ግልጋሎት ናይ ዝህቡ ሓካይም ዝህብዎ ሞያዊ ግልጋሎት መሰረት ዝገበረ ዝርዝር መረዳእታ ከቕርቡ ዝኸእሉ ከምኡ ድማ ብመሰረት ዝተዳለወ ስፔስፊኬሽን ምስ ግዚኦ ዝኸዱ መሰረታውያን ዝበሃሉ ናይ ምርመራ መሳርሕታት ዘማልኡ ክኾኑ ይግባእ፡፡
6. ተወዳደርቲ ናይ ጥዕና ትካላት ኣብ ኣወሃህባ ናይ ጥዕና ግልጋሎትን ሞያዊ ስነ ምግባርን ዝምልከት ከምኡ እውን ኣብ ግልጋሎት ፋይናንስ ምስ ትካልና ተቀራሪቦም ንምስራሕን ንምውዕዓልን ቅሩብነት ከም ዘለዎም ዘረጋገፁ ክኾኑ ይግባእ፡፡
7. ተጫረቲ ዘዳልውዎ ሰነድ ፋይናንሻል ሰነድ ኦርጅናልን ቅዳሕን ከምኡ እውን ቴክኒካል ሰነድ ኦርጅናልን ቅዳሕን ነኒ በይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ብሽምዒ ብምዕሻግ ኣብ ዝባኖም ኦርጅናልን ቅዳሕን ምኳኖም ዝሕብር ዝንበብ ፅሑፍን ናይ ትካል ማህተምን ብምግባር ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ 4ይ ደብሪ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኣታዊ ክገብሩ ይግባእ።
8. ውፅኢት ጨረታ ዝልካዕ ብድምር ውፅኢት ክልቲኡ 100 ተመዚኑ መሕለፊ ነጥቢ 70ን ልዕሊኡን ተኸፊቱ ልዕሊ 70 ነጥቢ ዝረኸቡ ተወዳደርቲ ምስተፈለዩ ቀፂሉ ንተወዳደርቲ ኣብ ዝተነፀረ መኽፈቲ ዕለት 30 ነጥቢ ዝሓዘ ፋይናንሻል ሰነድ ተኸፊቱ ብድምር ካብ 100 ብቀደም ስዓብ ዝለዓለ ነጥቢ ዝረኸቡ 2ተ ተወዳደርቲ ትካላት ስዓርቲ ጨረታ ይኾኑ፡፡ ቴክኒካል መሕለፊ ነጥቢ ዘይረኸቡ ተወዳደርቲ ዘትሓዝዎ ፋይናንሻል ሰነድ ከይተኸፈተ ናብ ኢዶም ተመላሲ ይኸውን፡፡
9. እቲ ዝወሃብ ግልጋሎት ንሓደ ዓመት ዝፀንሕ ኮይኑ ከም ኣድላይነቱ ብናይ ክልቲኦም ወገናት ናይ ሓባር ስምምዕነት እቲ ውዕል በቢ እዋኑ ክሕደስ ይኸእል እዩ፡፡
10. ናይ ጨረታ መወዳደሪ ዝርዝር ዝሓዘ ደኩመንት ካብ ዕለት 12/12/2017 ዓ.ም ጀሚሩ
ካብ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ጨንፈር ሓወልቲ ዘይምለስ ብር 200.00 ክልተ ሚኢቲ ብር/ ብምኸፋል ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኸእሉ፣
11. ናይ ጨረታ ዶኩመንት ብፖስታ /ሽምዒ/ ዝተዓሸገ ኾይኑ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ኣታዊ ዝግበረሉ ዕለት ካብ 23/12/2017 ዓ.ም እስካብ ዕለት 03/13/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ዘሎ ግዜ ይኸውን፡፡
12. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 03/13/2017 ዓ.ም ኮይኑ ልክዕ ሰዓት 3፡30 ናይ ንጉሆ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይ ሕጋውያን ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቓሕን ዕቋርን ኣ/ማ ኣብ 4ይ ደብሪ ክፍሊ ፋይናንስ ይኸፈት። ተጫረቲ ወይ ወኪላት ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እውን ሕጋውነቱ ክሳብ ዝተረጋገፀ እቲ ዝኣተወ ሰነድ ጨረታ ኩሉ ዝኸፈት ይኸውን።