ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ን2 ጊዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ 5 ወረዳታት ትግራይ (እንዳ መኾኒ መስዋእቲ ከተማ ሳምረ፣ ከተማ ኣዕቢ፣ ዓድዋ ይሓ፣ ናዕዴር ማህበረ ዴጎ) ንምድላው ምጥን ምግቢ ዘገልግላ መጥሓናት (መሕን) ብልሽት ስለዝበፅሐን ዝምልከቶም ሰብ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ሞያታት ኣወዳዲሩ ከፀግን ይደሊ፣፣ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ መቕረብቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (in Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. VAT ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣

4. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 10,000.00 ከትሕዙ ዝኽእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. ብልሽት ናይተን መጥሓናትን (መጣሕን) ዝጎደለን መለዋወጥን ኣብዚ ሓባሪ ዝቐረበ ኾይኑ ካብዚ ብተወሳኺ ናብተን ሳይታት ብምኻድ ምርኣይ ይከኣል እዩ፡፡

7. ንፅገና ዘድልዩ መለዋወጢ ኣቑሑ (ናውቲ) ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ፤ መጓዓዝያን ሞያዊ ጉልበትን ፀጊኑ ከረክብ ዝኸእል፣

8. አዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ኣጠናቒቑ ከረክብ ዝኽእልን ንሓደ ዓመት ውሕስና ክኣቲ ዝኸእልን፡፡

9. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ VAI IOI ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንበር እንተዘይተፈሊጡ ምስ VAT/TOT ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

10. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

12. ማ.ል.ት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

13. እዚ ጨረታ ዕለት 23/12/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ይኸፈት፡፡