ምልክታ ጨረታ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ 4 ወረዳታት ትግራይ (ማይጨው፣ ኣዕቢ፣ ዓድዋን ናዕዴርን) ዝርከቡ ማሕበረሰብ ተጠቃሚ ንምግባር ቀለብ ደራሆ (Complementary Feed) ዝምልከቶም ትካላት ብምዕዳም ብጨረታ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ መቕረብቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት (VAT) ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም. ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣
4. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 20,000.00 ከትሕዙ ዝኸእሉ፣
5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
6. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን ኣብቲ ዝእሰር ውዕሊ ብዝንፀር ጊዜ ገደብ ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማልት (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ ) ከረክብ ዝኽእል፡፡
7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ VAI ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ VAI ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
8. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
9. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 430 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣
10. ማ.ል.ት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣
11. እዚ ጨረታ ዕለት 28/12/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ሚልት ይኸፈት፡፡