ቃላሚኖ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ትግራይ ዝርከብ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ኣብ ዘመነ ትምህርቲ 2018 ዓ/ም ንቐለብ ተምሃሮ ዝውዕሉ ኣትክልትን ፍራምረን፡ ፊና፡ ጥራምረ ምግብን ቅብኣትን፡ ዛላ በርበረን እንቁላሊሕን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለ ዝኾነ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም መቕረብቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር መሰረት ንክትሳተፉ ይዕድም።

1) ናይ 2017 ዓ/ም በቲ ዘፈር ንግዲ ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግድን ናይ መቕረባይነት ወረቐት ምስክርን ከቕርቡ ኣለዎም፤

2) መለለዪ ከፋሊ ግብሪ (TIN) ምስ ፍቓድ ንግዲ ኮፒ ብምግባር ከትሕዙ አለዎም፤

3) ቫት (VAT) ወይ ቲኦቲ (TOT) ተመዝገብቲ ዝኾኑን፤ ናይ ዝተመዝገብሉ መረዳእታን ናይ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ/ም ዲክላራስዮንን ከቕርቡ ዝኸእሉ፤

4) ናይቲ ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብሲፒኦ (CPO) ብር 50,000 ሕድ ሕድ ሰነድ ጨረታ ከትሕዙ ዝኸእሉ፤

5) ኣብ መዘርዝር /ስፐሲፊኬሽን/ ብዝተገለፀ መሰረት ጥሪ ከቕርቡ ዝኽእሉ፤

6) ተመሊኡ ዝቐርብ ናይ ጨረታ ሰነድ ንፁር /ንምንባብ ዘየፀግም/ ክኸውን ኣለዎ፤

7) መቕረባይ እዚ ጨረታ ዝሰዓረ ምዃኑ ምስ ተነገሮ ኣብ ውሽጢ 2 ናይ ስራሕ መዓልቲታት ውዕሊ ብምእሳር: እቲ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲታት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ጠቕሊሉ ከቕርብ ዝኸእል፤

8) እቲ ዋጋ ክመልእዎ ከለዉ ምስ VAT/TOT ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ብግልፂ ከቐምጡ ኣለዎም፤ ብግልፂ አንተዘይተነፂሩ ምስ VATTOፐ ከም ዝተመልአ ተሓሳቢ ተገይሩ ይውሰድ፤

9) ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን ናይቲ ትካል ብግልፂ ክቕመጥ ኣለዎ፤

10) ቤት ትምህርትና ናይቲ ዝዕደግ ንብረት መጠን ብ20% ምቕናስ ወይ ምውሳኸ ይኸእል፤

11) ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ-መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) 3ይ ደብሪ ቢሮ ቑፅሪ 410 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ንሕድ ሕድ ሰነድ ጨረታ ብር 100.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል።

12) ቤት ትምህርትና ዝሓሸ ካልእ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

13) እዚ ጨረታ ዕለት 28/12/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ኣዳራሽ ፍሉይ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ይኸፈት።

14) ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0945462700/0914763004 ደዊልካ ምሕታት ይከአል።