ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/799/2017
ዕለት:- 12/12/2017 ዓ/ም
ምልክታ ጨረታ ናይ ቁልፍን ፈርኒቸርን ፅገና
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ፅ/ን/ምም/ርን ኣብ በጀት ዓመት 2018 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ግልጋሎት ናይ ቁልፍን ፈርኒቸርን ፅገና ናይ ሞያ /ጉልበት/ ዋጋ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሳብ ታሕሳስ 30/2018 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ክግልገል ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት
1. በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይ 2017 /2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሓደ ገፅ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኾኑ ኣለዎም::
2. ተጫረቲ ናይ ዝወዳደሩሎም ዘርፊ ናይ 2017 /2018 በጀት ዓመት ሓደ ገፅ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኮኑ ኣለዎም::
3. ናይ ግብሪ ከፋሊ ቲን ናምበርን / ግልፂ ዝኮነ መረዳእታ ሓደ ሓደ ገፅ ከቅርቡ ኣለዎም::
4. ተጫረቲ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቸክ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ::
5. ተጫረቲ መጫረቲ : ሰነዶም 100 ብር ብምክፋል ካብ ዕለት 12/12/2017- 21/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ብሎክ 6 ቢሮ ቁፅሪ-44 ምዉሳድ ይክእሉ እዮም።
6. ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐለ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተለጠፈሉ መዓልቲ ዝቁፀር ካብ 12/12/2017-21/12/2017 ዓ/ም ን 10 ተከታተልቲ መዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ድማ ዕለት 22/12/2017 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ ዕለት 22/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኩሎም ተጫረቲ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ኮይኑ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ መዓልቲ ድማ ካብ ጨረታ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ዝቁፀር 40 ተከታታሊ መዓልቲ ምኳኑ ክፈልጡ ይግባእ::
7. ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ድሕሪ ናይ ጥርዓን 3+ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3' ናይ ስራሕ ማዓልቲ ክሳብ ታሕሳስ 30/2018 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ግልጋሎት ብዝተኣዘዞ መሰረት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ክህብ ዝክእል፡፡
8. ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር፡፡
9. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡
10. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡