ማሕበር መናእስይ ትግራይ

ን2 ጊዜ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ናይ 2017ዓ/ም በጀት ዓመት ናይ ፋይናንስ ስራሕቲ ኣፈፃፅማ ብናይ ደገ ኦዲተር ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኦዲት ክስርሕ ስለዝደለየ ናብዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋውያን ኦዲተራት ነዚ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1. ሕጋዊ ንግዲ ክማላእ ዝግበኦ ፍቃድ ዘለኩም ናይዚ ዘመን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ዘይምለስ ፎቶኮፒን ዘቅርብ።

2. ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ/ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብን ፍቃድ ኦዲት ፣ፍቃድ ሞያንብቅዓት መረጋገፂ ምስክር ወረቀትን ተቅርብ /ዘቅርብ ናይ ቦክስ ፋይል ዋጋ መሊኡ/ኣ ዘቅርብ።

3. ቫት ወይ ቲኦቲ እንተኮይኖም ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፊኬትን ናይዚ ወርሒ ዲክለር ዝገበርክሙሉ መረዳእታ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ።

4. መኸበሪ ጨረታ ብር 5,000(ሓሙሽተ ሽሕ ብር)ሲፒኦ ሕጋውነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ምስቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝኸእል።

5. ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 07/11/2017 ዓ/ም ኮይኑ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት21/11/2017ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ንጉሆ ባዕሎም/ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለውሉ ኣብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ይኸፈት።

6. ተጫራታይ ሰነድ ጨረታ ንዝርዝር ኣፈፃፅማ እቲ ገምጋምን ካብ ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ 05 ፋ/ምም/ዳርን ብር 50 እናኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ከምእትኸእሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 07/11/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 21/11/2017 ዓ/ም ሽም፣ ኣድራሻ፣ፊርማ፣ማህተም ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣታዊ ይገብር።

7. ተጫራቲ ሳዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

8. ተጫራቲ ውዕሊ ምስ ኣሰረ ዝሰዓሮም ንብረታት ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማመት ኣታዊ ይገብር።

9. ኣብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝከውን ንጨረታ መክበሪ ዘትሕዞ ገንዘብ ናብ ማሕበር መናእሰይ ካዝና ኣታዊ ይኸውን ።

10. ኣሸናፊ( ሳዓራይ ) ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝ ሆልዲንግ ይኸፍል።

11. መ/ቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

12. ኣድራሻና ኣብ 03 ቀበሌ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቑስ.0914269079 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል።

ተ.ቑ.ዝርዝር ኣቑሑትዝርዝር መግለፂመዐቀኒበዝሒናይ ሓደ ዋጋመብርሂ
1ሓደ ቦክስ ፋይል-ኣታዊታት
-ወፃኢታት
ቑፅሪ01