ዘ ዳውተርስ ቻሪቲይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ቢሮ ክልል ትግራይ ኣብ ታሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሰበኻ ዓዲ ግራት ንዝተፈላለዩ ናይ ሕብረተሰብ ክፋላት ኣብ ትምህርቲ፤ ጥዕናን ልምዓትን ካልኦት ማሕበራዊ ፀገማትን ኣገልግሎትን ሓገዝን እናበርከተ ዝርከብ ገባሪ ሰናይ ትካል እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ክልልና ምስ ት/ቲ ቢሮ ብሓባር ብምኻን ፍርያት ሃገር ብዝኾነ ምግቢ ኣብ መዓልቲ ሓደ ግዜ ተምሃራይ ክምገብ እናገበረ ዝርከብ ትካል እዩ። ብተመሳሰሊ ንዝተፈላለዩ ዕጉማት መራሕቲ ስድራ ናይ ምግቢ እታወትን መድሓኒትን ናዉቲ መድሓኒትን እናባፅሐ ዝፀንሐን ዘሎን ትካል እዩ። በዚ መሰረት ድማ ትካልና ካብ MMI project ብዝተረኸበ ሓገዝ ንተምሃሮ ንምግብነትን ፅሬት መሐለዊ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ምግቢ እታወትን ናይ ፅሬት ኣቑሑን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ

➢ በቲ ዘርፊ ሕጋዉያን ዝኾንኩም መቐረብቲ ዝርዝር መምርሒ ተጫረቲ ዝሓዘ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 12/08/2025 GC ክሳብ ዕለት 20/08/2025 GC ኣብ ዘሎ ግዜ ካብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ ትግራይ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ ዓዲ ሓቂ ጥቓ ዓይኒ ሕክምና ክትወስዱ ትኽእሉ ምኻንኩም እንዳሓበርና ኣብ ኣዲሰ ኣበባ እትርከቡ መቕረብቲ ፋፋ ሕሩጭ ግና እቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ኣዲሰ አበባ ክ/ከተማ ኣራዳ ወረዳ 01 ቑፅሪ ገዛ 374 ፊትንፊት ቤት ትምህርቲ ካቴድራል ትወስዱ ትኽእሉ ምኻንኩም ክንሕብር ንፎቱ።

➢ እቲ ጨረታ ዕለት 20/08/2025 GC ስዓት 8:30 (local time) ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 (local time) ኣብ ማሕበር ደናግል ደቂ ፍቕሪ መተሓባበሪ ትግራይ ይኽፈት ::