ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

ቁፅሪ 11/01/2017ዓ/ም ዕለት01/12/2017ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ህንፀት መቐለ ንተሃነፅቲ ዝዉዕል ፁሩይ ዝስተማይ ካብ ቢሮ ማይ ፈሳስን/ካብ ኩሓ ካብ 15 ሜትር ኪብ ንላዕሊ ትሕዝ ቦጥ መኪና ናብ መቐለ ቤት ህንፀት ከቅርቡ ምስ ዝክእሉ ሕጋዉያን ነጋዶ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ን2018ዓ/ም ክሳብ ሰነ 30/10/1018 ዓ/ም ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ

ታ.ቁዓይነት ንብረትመለክዒበዝሒናይ ሓደ ሜትር ኪብ ክራይ ዋጋመኪና ትሕዞ ሜትር ኪብ ይገለፅ
ብር
1ናይ ማይ ዋጋ ብመስራቤት ዝኽፈል ካብ ፩፭ ሜትር ኪብ ንላዕሊ ትሕዝ መኪና ዝስተ ፅሩይ ማይ ካብ ማይን ፈሳሲን ካብ ኩሓ ንምቅራብ ክራይሜትር ኪብ04

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1/ በዚ ስራሕ ዘርፊ እዚ ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ስራሕ ፍቓድን መቅረባይነትን ኮፒ ከቅርብ ዝኽእል

2/ ናይ ሻት ዝተመዝገበሉን ናይዚሓለፈ ወርሒ ድክሌር ዝገበረሉን ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዪ ቁፅሪ ቲን ናምበር ዘለዎን ከምኡ ድማ እቲ ዝተመለአ ዋጋ ጨረታ ድሕሪ ምኽፋቱ ን15 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ

3/ ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ሻቱ ተመሊኡ ስልዝ ድልዝ _ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ጥራሕ ተመሊኡ ብፖስጣ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ም/ን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይኽእሉ

4/ ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ 3000/ሰለስተ ሽሕ ብር ውዕል መክበሪ 2000 ክልተሽሕ ብር ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም

5/ ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ድሕሪ 3ተ ናይ ጥርዓን መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ መፂኡ ውዕል ካስር አለዎ በቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዉዕል እንተዘይኣሲሩ ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ናብናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ተገይሩ እቲ ቢሮ ከሊእ መማረፂ ክወስድ _ እዩ

6/ ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ምስ መምርሒ ተጫረቲ ዝገልፅ ካብ ዕለት 01/12/2017ዓ/ምዓ/ም ክሳብ 15/12/2017ዓ/ም ሰዓት 3.00 ዘይምለስ 100 ብር እናኸፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይኽእሉ እቲ ጨረታ ዕለት 15/12/2017ዓ/ም ሳዓት 3.30 ተዓፅዩ ሳዓት 4.00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ ይኸፈት።

7/ ተጫረቲ ኣብዚ ዝኾነ ሓሳብ እንተሃሊዎም ኣቐዲሞም ቅድሚ ናይ ሳንዱቕ ጨረታ ምዕሻጉ ብፅሑፍ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኹን ሓሳብ ግን ተቕባልነት የብሉን

8/ ናይ ማይቐረብ ዝምልከት ናይ ማይ ዋጋ ዝኽፈል ብመስራቤት ኮይኑ ዝቐርበሉ ቦታ ድማ ካብ ቢሮ ማይንፈሳስን / ካብ ኩሓ ዕሩይ ዝስተማይ ጥራሕ ይኸዉን ስለዚ እቲ ዉድድር ኣብ መኪና ጥራሕ ምዃኑ ተረዲእኹም ክትወዳደሩ ንዕድም እቲ ዝወሃብ ግልጋሎት ቀረብ ፅሩይ ማይ ክሳብ ሰነ 30/10/2018ዓ/ም ንሓደ ዓመት ዉዕሊ ዝእሰር እንትኸዉን ማይ ቡንባ ኣብ መስራቤት ኣብ ዘቓረሀትሉ ግዜ ጥራሕ እቲ ግልጋሎት ዝወሃብ ኮይኑ _ ሰዓሪ ትካል ንዝሃቦ ግልጋሎት ዝኸፈሎ ብር ልዕሊ 10000ዓሰርተ ሽሕ ብር ተኾይኑ ዊዝ ሆልድ ታክሲ 3% ይኸፍል ኣብዚ ፅሬቱ ዘይሓለወ ማይ እንተመፂኡ ተቐባልነት ከምዘይብሉን ፅሬት ዘይብሉ ማይ ኣምፂኡ ኣብ ተሃነፅቲ ናይ ጥዕና ፀገም ዘምፀአ ብሕጊ ዝጥየቅ ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ

9/ ተወዳደርቲ እቲ ዝመልእዎ ዋጋ ናይ ሓደ ሜትር ኪብ ዋጋ ናይ መጋዓዒዚ መኪና ጥራሕ ኮይኑ ምስሻቱ ተመሊኡ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ኣብ ኩሉ ገፅ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ክቐርብ ኣለዎ

10/ መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ

11/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0975452063/0914120805 ምሕታት ይከኣል

መቐለ ቤት ህንፀት