ምልክታ ፕሮፎርማ ቑፅሪ -1
ንኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ግልጋሎት ዝዉዕል ንሬድዮ መሳለጥቲ ዝኾኑ ኤሌክትረክ ብምልጣፍ ዝወፀ ብፕሮፎርማ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት
● ናይ 2017ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድን መቅረባይነትን ዘለኩም።
● ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል።
● ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሊኡ ከቅርብ ኣለዎ።
● መቕረብቲ ካብ ዕለት 30/11/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 02/112017ዓ/ም ሰዓት 11:30 ሰነድ ፕሮፎርማ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትክእሉ።
● ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 05/12/2017ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተወዳደርቲ ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኸፈት እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይ ተረኺቦም ንምኽፋት ዝዓግቶ የለን።
● ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ አብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ አለዎም ። ኣብዚ ፕሮፎርማ መማረፂ ንብረት ምቅማጥ አይፍቀድን
● አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን
● ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ
● ኤጀንስና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ::
ኣድራሻና፥ ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ ግራዉንድ ቢሮ ቁፅሪ 1 ወይ ዕደጋ ክፍሊ
ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 አብ ስራሕ ሰዓት ምድዋል ይካአል። ቅዳሕ ንቤት ምኸሪ ንግዲ ከተማ መቐለ