ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ

ፕሮፎርማ ቑፅሪ 2 /2017

ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ዝርዝር ተደላይ ትርጉም ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ ነዚ ቅጥዒ ዝመለአ ነጋዳይ

ንቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ትርጉም ግልጋሎት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ ምኻንኩም ንገልፅ፡፡

➢ በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ፣

➢ ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ/TI/ ዘለዎ ምኻኑ መረዳእታ ዘቕርብ ፣

➢ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል።

➢ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተለጠፈሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ናብ ቢሮ ፍትሒ ብምቅራብ ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅርኹምን ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ናይ መንነት መታውቕያ ኮፒ ብሙሉእ ክትገብሩዎ ነመልክት ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽምን ፊርማን፣ ኣድራሻን ናይ ትኻልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 30/11/2017 ዓ/ም ክሳብ 02/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ክተቕርቡ/ክትወዳደሩ ትኽእሉ።

➢ እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 02/12/2012 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳር ቢሮቑፅሪ 317 ይኽፈት።

➢ ቢሮና ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ክምላእ ይግባእ።

➢ እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፈርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ከም ሕጋዊ ውዕሊ ኮይኑ ከም

ዘገልግል ክትፈልጡ ይግባእ።

➢ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፎርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

➢ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ቅርቡ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል

➢ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደር ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተኣገደ እግዱ ከይተልዓለሉ ክወዳደር ኣይኽእልን።

➢ ኣብ ቢሮና ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዘለዉና ዝተፈላላዩ ናይ ትርጉም ስራሕቲ ናብ ቢሮ መፂኡ ትርጉም ክትውስዱን

ክትመፂኡን ዝኽእል፡፡

➢ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344408714 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል


ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ትርጉም ግልጋሎት ዝርዝር ተደላይ ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ


ተ.ቑዝርዝር ዓይነት ንብረት(ትርጉም)ዝርዝር መፍለይ ቁፅሪ (ድሌት ስራሕ)(ፅሑፍ)መለክዒናይ ሓደ ገፅናይ ሓደ ዋጋጠቕላላ ዋጋ
ብርብር
1ካብ ትግርኛ ናብ ኣማርኛብሰረት ብግዚኡ ምርካብብገፅ01
2ካብ ኣማርኛ ናብ ትግርኛብሰረት ብግዚኡ ምርካብብገፅ01
3ካብ ኢንግሊዝኛ ናብ ትግርኛብሰረት ብግዚኡ ምርካብብገፅ01

4

ካብ ትግርኛ ናብ ኢንግሊዝኛብሰረት ብግዚኡ ምርካብብገፅ01
5ካብ ኣማርኛ ናብ ኢንግሊዝኛብሰረት ብግዚኡ ምርካብብገፅ01
6ካብ ኢንግሊዝኛ ናብ ኣማርኛብፅሬት ብግዚኡ ምርካብብገፅ01

ሽም፡ ፌርማ ዕለት- ስልኪ ቑፅሪ

ሰር ፍትሒታት

ምስ ሰላምታ

ፈፃሚ ኣካል ዕደጋ ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ