ፕሮፎርማ ቑፅሪ 1/2017
ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ዝርዝር ተደላይ ንብረትን ነጋዶ ዝመልእዎ መወዳደረ ነፀላ ዋጋን ዘርኢ ሰደቓ ነዚ ቅጥዒ ዝመለአ ነጋዳይ
ንቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ፈርንቸር ኣቁሑት ግልጋሎት ፅገና ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ክትሳተፉ/ፋ ትኽእሉ/ላ ምኻንኩም ንገልፅ፡፡
➢ በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘቅርብ ፣
➢ ናይ ግብሪ ከፈላይ ቁፅሪ/TI/ ዘለዎ ምኻኑ መረዳእታ ዘቕርብ ፣
➢ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት መረዳእታ ከቕርብ ዝክእል፡፡
➢ ምልክታ ፕሮፎርማ ካብ ዝተለጠፈሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3' መዓልቲ ናብ ቢሮ ፍትሒ ብምቅራብ ንግዲ ፍቓድኹም፣ ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቁፅርኹምን ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐትኩምን ናይ መንነትመታውቕያ ኮፒ ብሙሉእ ክትገብሩዎ ነመልክት ምስ መወዳደሪ ዶክመንትኹምን ብምትሕሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምኳንኩም እናገለፅና መወዳደሪኹም ሽምን ፊርማን፣ ኣድራሻን ናይ ትኻልኹም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ካብ ዕለት 30/11/2017 ዓ/ም ክሳብ 02/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 8፡30 ድ/ሰዓት ክተቕርቡ/ክትወዳደሩ ትኽእሉ።
➢ እቲ ፕሮፈርማ ዕለት 02/12/2012 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ድ/ሰዓት ኣብ ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ንብረት ምምሕዳር ቢሮቑፅሪ 317 ይኽፈት።
➢ ቢሮና ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ክምላእ ይግባእ፡፡
➢ እዚ ሰነድ ጨረታ ፕሮፈርማ እዙይ ኣብ መንጎ ሰዓራይ ትካልን ቢሮ ፍትሒ ክ/ትግራይ ከም ሕጋዊ - ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክትፈልጡ ይግባእ።
➢ ኣብ ቢሮና ቢሮ ፍትሒ ክልል ትግራይ ዘለዉና ዝተፈላላዪ ናይ ፈርንቸር ኣቁሑት ናብ ቢሮ መፂኡ ክፅግን ዝኽእል።
➢ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ፕሮፎርማ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
➢ ሰዓራይ ምካኑ ምስተገለፀሉ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ከቅርብ ውዕሊ ዝኣስር ዝኽእል
➢ ኣብ ናይ መንግስቲ ዕደጋ ከይወዳደር ብቢሮ ትልምን ፋይናንስን ክልል ትግራይ ዝተኣገደ እግዱ ከይተልዓለሉ ክወዳደር ኣይኽእልን።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344408714 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል