ቑፅሪ ፅ/ፋ/ን/ምም/ር/1079/17
ዕለት 24/01/2017 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 14 /2017 ዓ/ም
መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ንኮሌጅና ሰራሕተኛታትን ሰልጠንትን ግልጋሎት ዝህብ ካፊቴሪያ/ቁርሲ ቤት/ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ብምክራይ ግልጋሎት ክረክብ ይደሊ።
መምርሒ ተወዳደርቲ /ተጫረቲ/
1/ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ በቲ ዘርፊ ዘለኩም።
2/ ናይ ግብሪ ክፈላይ ቁፅሪ /TIN/ ነምበር ዘለኩም።
3/ 2% Withholding tax ክኸፍል ዝኽእል።
4/ ዝተሓደሰ ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቐት ክቕርብ ዝከኣል።
5/ ናይ ጨረታ መኽበሪ ዋጋ ብር 5000/ ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ርቦ ክትሕዝ ዝኽእል።
6/ ናይ ዉዕሊ መኽበሪ 10% ክትሕዝ ዝኽእል።
7/ ኣብ ጨረታ ስዓርራይ ዝኾነ ተራቲ ወዕሊ ብምእሳር ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ስራሕ ክጅምር ዝኸል።
8/ ጨረታ ዝሰዓረ ተራታይ ዉዕል ብምእሳር በቲ ዝኣተዎ ዉዕሊ መሰረት ን1 ዓመት ግልጋሎት ክህብ ፍቓደኛ ዝኾኑ።
9/ ስዓራይ ዝኸነ ተጫራቲ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ መዕሊ ከእስር ዝግብኦ ኾይኑ ኣብቲ ዝተጠቐሰ እዋን ውዕሊ ተዘይኣስሩ ግን ዘትሐዞ ናይ ጨረታ መኽበሪ ገንዘብ ተወረሱ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይግበር።
10/ ስዓራይ ዝኸነ ተጫራቲ ኣብ ዝርዝር ተቐሚጦም ዘለዉ ኩሎም ቀረባት ( ዓይነታት ምግብን መስተን) በቲ ዝስዓሮ ዋጋ ብዘይ ምንም ምትእጉጓልን ምሽርራፍን ከቕርብ ዝግደድ ኮይኑ ኣዚ እንተዘይገይሩ ግን ጭቡጥ መረዳእታ ብምሓዝ ብሕጊ ዝሕተትን ውዕሊ እነቋርፅ ይኸውን።
11/ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተጫረቲ መወዳደሪ ዝርዝር ዝሓዘ ሰነድ ተርፎርማ ካብ ኮሌጅና ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ መቐለ ካብ ዕለት 24/11/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 28/11/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11:00 ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልታት ምውሳድ ትኽእለ ።
12/ እዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ዕለት 28/11/2107 ዓም ልክዕ ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቐትሪ ተዓፅዩ ሶለት 29/11/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3:30 ኣብ መቐለ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ዳይሬክቶሬት ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ቢሮ ብሰሪ 08 ዝኽፈት ኮይኑ ተጫረቲ ጨረታ ኣብ ዝኸፈተሉ ዕለት ናይ ምርካብ መሰልኩም ዝተሓለወ እዩ።
13/ ኮሌጅና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብምሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
14/ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ጊዜ ፕሮፎርማ ካብ ዝኽፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ 7 ናይ ስራሕ መዓልታት ይኸዉን፡፡
15/ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03-44-40-45 92 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።