ንሰራሕቲ ኦዲት ዝወፀ ምልክታ ጨረታ
ትካልና ፍረ ስዉኣት ስራሕቲ ንግዲ ሓላ/ዝተ/ዉ/ ማሕበር ናይ 2017 በጀት ዓመት ሒሳብ ናይ ደገ ኦዲት/external audit/ ከግብር ይደሊ። በዚ መሰረት ስዒቦም ዝተጠቕሱ ሮቓሕታት እተማልኡ ሰብ ሞያን ፍቓድን ይዕድም።
1. ናይ ደገ ኦዲት ስራሕቲ ኣብ ሓላ/ዝተ/ዉ ማሕበር ንምክያድ ፍቓድ ዘለዎ
2. ተጫራታይ ናይ 2017 ዓ.ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰን ናይ ሞያ መረጋገፂን ከተሓሕዝ ኣለዎ
3. ተጫረቲ ናይ ግብሪ ከፋሊ ቁፅሪ /ቲን/ ሰርቲፊኬት ከቕርቡ ይግባእ
4. ተጫረቲ ኦዲት ዝገብሩሉ ዋጋ ብንፁር ኣብ ናይ ባዕሎም ቅጥዒ ከቐምጡ ኣለዎም
5. ተጫረቲ እቲ ኦዲት ዝዉድኦ እዋን ግምት ከቐምጡ ኣለዎም
6. ተጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዘሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ከቐመጥ ይግባእ ። እንተዘይ ኮይኑ ቫት ከምዘይሓወሰ ተገይሩ ይዉሰድ
7. እቲ ጨረታ ኣብ ኣየር ካብ ሓምለ 26/2017 ዓ.ም ክሳብ ነሓሰ 5, 2017 ዓ.ም ሰዓት 4:00 ኣብ ዘሎ እዋን ዝፀንሕ እንትከዉን ተጫረቲ ኣብ ዋና ቢሮና ኣብ ይሓ ሲቲ ሰንተር ህንፃ 7ይ ፎቕ ነዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ኦዲት እተገብሩሉ ዋጋ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክሳብ ነሓሰ 5 2017 ሰዓት 4:00 ምቕራብ ይኽእሉ። እቲ ጨረታ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:10 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ይኽፈት:: ኣብቲ ጨረታ ዘይምርካብ ነቲ ጨረታ ምኽፋት ዘዕንቅፍ ኣይኮነን::
8. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ትካልና ብፅሑፍ ዘፍልጥ እንትከዉን ተዓዋታይ ክፈልጥ ካብ ዝተገብረሉ ዕለት ጀሚሩ ዉዕል ብምእሳር ስራሕቱ ይጅምር።
9. ኦዲት ዝግበር ሰነዳት ሒሳብ በዝሕን ኩነታትን ኣብቲ ትካል ብምምፃእ ምዕዛብ ይከኣል /ንሓበሬታ ዝኣክል 4 ቦክስ ፋይል ክፍሊት ሰነድ 3 ቦክስ ፋይል መሸጣን 1 ቦክስ ፋይል ጄቪን እዩ/
10. ትካልና ብምሉእ ይኹን ብኽፋል እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ። ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0914729393/1914728853 ምድዋል ይከኣል ።