ቁፅሪ:-ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/ 738/2017
ዕለት:- 25/11/2017 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ፅሩይ ዝስተ ማይ ብቦቲ ምቅራብ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ፅ/ን/ምም/ርን ካብ መደበኛ በጀት 2018 ኣብ ቀፅሪ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንሓለዋ ሰራሕተኛ፣ ንፅሬት መሳርሒን ብተወሳኪ ኣብ ቀበሌ 18 ጥቃ ኣዋሽ ንፕሬዚደንት መኖርያ ገዛን ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሩይ ዝስተ ማይ ብቦቲ ምቅራብ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክሳብ ሰነ 30/2018 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ከስርሕ ስለዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ነጋዶ/ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሒታት
✓ ናይቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎምን ናይ 2017/2018 በጀት ዓመት ዘሐደሱን ሓደ ገፅ ምስ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ብሓደ ዓሺጎም ዘቕርቡን፡፡
✓ ናይ ዘርፉ መቕረባይ ሰርቲፊኬት ዘለዎምን ናይ 2017/2018 በጀት ዓመት ዝተሓደሰን ዘለዎምን ዘቕርቡን እንተኮይኖም ይምረፅ፡፡
✓ ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ፡፡
✓ ተጫረቲ ኣብ ዘእትዉዎ ፕሮፎርማ ሽም፣ ክታምን ማሕተምን ተገይርሉ ብፖስታ ተዓሸጉ ክቀርብ ኣለዎ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝወፀሉ ዕለት 25/11/2017 ዓ/ም ይኸውን፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝዕፀወሉ ዕለት 29/11/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 11፡30 እዩ፡፡
✓ ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 30/11/2017 ዓም ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይ/ዕ/ን/ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 04 ልክዕ ሰዓት 4፡00 ይኮዉን፡
✓ ጨረታ ዘሸነፈ ኣሸናፊነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሰነ 30/2018 ዓ/ም ዉዕል ብምእሳር ግልጋሎት ብዝተኣዘዞ መሰረት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ክህብ ዝክእል፡፡
✓ ኣብ ዝመልእዎ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን እንትሃልይዎ ፌርማ ይገበረሉ ካብዙይ ወፃኢ እንተኮይኑ ኣብ ምፅራይ ውድቂ ይግበር፡፡
✓ ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ነቲ ፕሮፎርማ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፡፡
✓ ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-440-24-20 ይደውሉ፡፡