ፕሮፎርማ ቑፅሪ 02/2018
ን2ይ ጊዜ ዝወፀ ፕሮፎርማ ምልክታ
ኢንተርፕራይዝ ዘርኢ ትግራይ ቀፂሉ ዘሎ ናይ ማፅዖን ናይ ፍኒስትራ መስታወት ፅገና ብፕሮፎርማ ኣዋዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰረት ፦
| ተ.ቑ | ዓይነት ኣቕሓ | ዝርዝር ስፔስፍኬሽን | መፀቐኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ | ጠቕላላ ዋጋ |
|---|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ማዕፆ ፅገና | ብኣካል ቀሪብካ ምርኣይ | ቑፅሪ | 02 | ||
| 2 | ናይ ማዕፆ መስታወት | 84 * 32 ሳንቲ ሜትር | ቑፅሪ | 04. | ||
| 3 | ናይ ፍኒስትራ መስታወት | 45 * 65 ሳንቲ ሜትር | ቑፅሪ | 01 | ||
| 4 | ናይ ፍኒስትራ መስታወት | 44 * 108 ሳንቲ ሜትር | ቑፅሪ | 04 | ||
| 5 | ናይ ፍኒስትራ መስታወት | 45 * 110 ሳንቲ ሜትር | ቑፅሪ | 01 |
ስለዚ ዝምልከተኩም ናይ ንግዲ ትካላት ኣብ ናይ መንግስቲ ትካላት ዕደጋ ምልክታ ንክትሳተፉ ፍቃድ ዘለኩም ናይ ዋጋ መቕረቢኹም(ፕሮፎርማ) ክሳብ ዕለት 22/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 3፡30 ኣብ ዘሎ ጊዜ ውሽጢ ናብ ኢንተርፕራይዝ ዘርኢ ትግራይ ናይ ዕደጋ ዲፓርትመንት ቢሮ ቑፅሪ 03 ክተቕርቡ ብኽብሪ እንትንዕድም -
➢ ተወዳደርቲ ናይ ትካልኩም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ፣ ናይ ቲን መፍለይ ቁፅሪ ፣ ናይ መቅረብቲ ምዝገባ ሰርቲፍኬትን ፤
➢ ንቫት ተመዝገብቲ ቫት ሰርትፌኬት ናይ ወርሒ ግንቦት/2017 ዓ/ም ዲክለር ዝተገበረሉ መረጋገፂ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዝኩም ክተቅርቡ ግድን ይኸውን፤
➢ እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ሰዓራይን ትካልናን ከምውዕል ይሕሰብ፤
➢ ኣብ ዝቐርብ ፕሮፎርማ - ስርዝ ድልዝ ዘለዎን ማሕተምን ፊርማን ዘይብሉን ተቐባልነት ኣይህልዎን፤
➢ ሰዓራይ ምስተፈለጠ እቲ ዝሰዓሮ ስራሕቲ ኣጠቃሊሉ ኣብ ውሽጢ 05 መዓልቲ ፀጊኑ ከረክብ ዝኽእል፤
➢ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሐሉ ጊዜ 07 ተኸታተልቲ መዓልቲ ይኸውን
➢ ኢንተርፕራይዝ ዘርኢ ትግራይ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ አቲ ፕሮፎርማ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፤
➢ እቲ ፕሮፎርማ 22/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ይክፈት፤
➢ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ስራሕቲ ዕገና ብኣካል ብምቅራብ ምርኣይ ይከኣል
➢ ኣድራሻና ክፍለ ከተማ ሰሜን ጣብያ 0ê ድሕሪ ዶምፖስኮ ቤት ትምህርቲ ፊት ንፊት እንስሳት ሕክምና
➢ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ +251 0914 76 12/+251 948 48 66 25 ምሕታት ይከኣል፤