ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ 65 ቖፎ ንህቢ ምስ ኣክሰሰሪኡ (30 ንወረዳ ዓድዋ፣ 35 ድማ ንወረዳ ኣዕቢ) ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡ ስለዝኾነ ድማ ዝምልከተኩም ትካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም፣፣

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. VAI ወይ TOTተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብለ መረዳእታ ናይ ሰነ ወርሒ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣

4. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 10,000.00 ከትሕዙ ዝኸእሉ፣

5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

6. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ኣጠናቒቑ ከረክብ ዝኸእል፡፡

7. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ VAT TOI ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ VAITOI ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፣፣

8. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

9. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኸፋል ምውሳድ ይከኣል፡

10. ማ.ል.ት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣

11. እዚ ጨረታ ዕለት 28/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት፡፡

ዓይነት ንብረትመለክዒበዝሒነፀላ ዋጋጠቕላላ ዋጋመብርሂ
1ቖፎ ንህቢ ምስ ኣክሰሰሪኡቑፅሪ65