ምልክታ ጨረታ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ 6 ወረዳታት ትግራይ (እንዳ መኾኒ - ሽብጣ ከተማ ማይጨው - ቀበሌ 02፣ ሳምረ - ዓምዲ ወያነ ዓዲ ዓውሶ፣ ኣፅቢ - ደራ፣ ዓድዋ - ራህያ/ደብረ ገነት፣ ናዕዴር ዳዕሮ ሓፋሽ ንምድላው ምጥን ምግቢ ዘገልግላ ሓደሽቲ መጥሓናት (መጣሕን) ከስርሕ ይደሊ፡፡
1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. VAT ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝኾኑን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ ሰነ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉን፣
4. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 20.000.00 ከትሕዙ ዝኽእሉ፣
5. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
6. ከይዲ ምስራሕ እተን መጥሓናት (መጣሕን) ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ፣ መጓዓዝያን ሞያዊ ጉልበትን ተኺሉ ከረክብ ዝኸእል፣
7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልኦ ዋጋ መኸበሪ ውዕሊ ብምቕራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ኣጠናቒቑ ከረክብ ዝኽእልን ንሓደ ዓመት ውሕስና ክኣቲ ዝኸእልን፡፡
8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ VAT TOT ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፡፡ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ VAT/TOT/ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፡
10. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ (ጥቓ ቤተ መንግስቲ ሃፀይ ዮሃንስ) ቢሮ ቑፅሪ 135 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብ 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣
11. ማ.ል.ት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሎ ዝተሓለወ እዩ፣
12. እዚ ጨረታ ዕለት 30/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኽፈት፡፡