ጽርሐ አርያም ቅዱስ ገብርኤል ካቴድራል

ምልክታ ናይ ስራሕ ጨረታ

ኣብ ልእልተ ልኡላን ጽርሐ አርያም ቅ/ገብርኤል ካቴድራል ቤተክርስቲያን ልምዓት ኮሚቴ ኣብ ካቴድራሉ ቅፅሪ ብአንፈት ሰሜን ምዕራብ ንህዝበ ክርስቲያን ግልጋሎት ዝህብ ዓብዪ ዘመናዊ ሽንት ቤት (ሽቓቕ) ዝኸውን አለሚንየም መዓፁ ፤ ብናይ ባዕሎም ማተርያል ብሰብ ሙያ አወዳዲሩ ንከሰርሕ ወሲኑ አሎ። ስለዙይ ብውሳኔኡ መሠረት ክትወዳደሩ /ክትሰርሑ እትደልዩ ተጫረቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 12/11/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 18/11/2017 ዓ/ም ናይ ንጉሆ ሰዓት 12፡30 ዘሎ ግዜ እትወዳደሩሉ ፕሮፎርማ ብዝተዓሸገ ፖስታ ጌርኩም ናብ ሰበካ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ብምእታው ክትወዳደሩ ከምእትኽእሉ እናገለፅና ፤ ዕለት 18/11/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 1፡00 ናይ ንጉሆ ድማ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸቡሉ ጨረታ ይኸፈት፡፡ ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግበኦም ነገራት፤

1. ናይ ንግዲ ፍቓድ ሰርቲፊኬት ኣታሓሒዞም ከቕርቡ ዝኽእሉ፤

2. ብናይ አለሚንየም ስራሕቲ ዝገልፅ ልምዲ ከቕርቡ

3. ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 100.00(ሓደ ሚኢቲ ብር) ገዚኦም ክወስዱ አለዎም፤

4. ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ሰበካ ጉባኤ ቤት ፅሕፈት ክወስዱ አለዎም፤

5. ናይ ጨረታ ሰነድ ስርዝ ድልዝ እንተሃልይዎ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይኸውን፤

6. ዘቕርብዎ ናይ ጨረታ ሰነድ ብሕጋዊ ማህተም ገይሮም ከቕርቡ ኣለዎም፤

7. ንጨረታ መኸበሪ ብር ብጥረ ገንዘብ ብር 5,000.00(ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ከትሕዙ አለዎም፤

8. ናይቲ ዝተሰርሓ ስራሕ ዋጋ ዝገልፅ በዓል ማህተም ፋኩቱር ከቕርቡ ኣለዎም።

9. ጨረታ ዘሸነፉ ናይ ስራሕ ግዜ ማእኸል ዝገበረ ውዕሊ ክኣስሩ ዝኽእሉ ክኾኑ ኣለዎም።

10. ዘቕርብዎ ናይ መወዳደሪ ዋጋ ምስ ማተርያሉ ይኸውን፡፡

መተሓሳሰቢ፤- ካቴድራል ቤተክርስቲያኑ ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ

አድራሻ፤- ልእልተ ልኡላን ጽርሐ አርያም ቅዱስ ገብርኤል ካቴድራል ቤተክርስቲያን መቐለ ዓዲ

ንዝበለፀ ሓበሬታ፡- ስ.ቑ. 09-14-40-62-51//09-14-76-88-99//