ቑፅሪደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ን/001/2017
ዕለት 11/11/2017 ዓ/ም
ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ፃውዒት
ብኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ዝፍለጣ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ዝተፈላለያ ዓይነት ተሽከርከርቲ ናይ 2018 ዓ/ም : ካላውዶ ንምግባር ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም::
በዚ መሰረት
1) ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ቦታ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን
2) ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ጊዜ፡ ክሳብ ዕለት 15/11/2017 ሰዓት 10:00 ድሕሪ ቀትሪ
3) ሰዓራይ ዝኸዉን ብሎት እዩ = ማለት እዉን እቲ ናይ ጠቕላላ ድምር ተሽከርከርቲ ብተወዳደርቲ ተመሊኡ ካብ ዠቐረባ ዋጋ ዝተሓተ ዋጋ ዝመልእ ሰዓራይ ይኸዉን '
4) ተወዳዳሪይ ስዓራይ ምዃኑ ምስተፈለጠ ውዕሊ ክኣስር ፃውዒት ደብዳቤ ካብ ዝተውሃበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ብኣካል ቀሪቡ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል ፣
5) ሰዓራይ ኮይኑ ውዕሊ ምስኣሰረ ስራሕ ክሰርሕ ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ምስተውሃቦ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ካላውዶ ሰሪሑ ክረክብ ግዴታ ኣለዎ። ኣብቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ሰሪሑ ከረክብ ዘይከኣለ ተወዳዳሪይ ካብዚ ትካል ናይ ዕደጋ ስራሕቲ ከምኣድላይነቱ ንዝተወሰነ ግዜ ይእገድ "
6) ተወዳዳሪ ኣግባብነት ዘለዎ ብግልፂ ዝንበብ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ 1 ናይ ንግዲ ዘርፍን (መቕረባይ ) ካሊእ ኣድላይ መረዳእታን ዘቕርብ፤
7) ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ብናይዚ ትካል ዝወፀ ሰነድ ክኸዉን ይምረፅ ፣ ብናይ ባዕሎም ሰነድ እንተመሊኦም ግን ምስቲ ናይ ትካልና ዝወፀ ሰነድ ፕሮፎርማ ሓደ ዓይነት ክኸዉን ኣለዎ ።
8) እዚ ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ምልክታን ብተወዳደርቲ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መንጎ ግልጋሎት ካላውዶ ዘስርሕን ግልጋሎት ካላውዶ ዝስርሕን ከም ውዕሊ ኮይኑ ይሰርሕ፤
9) ስዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ እተን ተሽከርከርቲ ካላውዶ ብዘይ ምግባሩ ኣብቲ ኢንተርፕራይዝ ዝበፅሐ ጉድኣት ብምርኣይ ትካል ብሕጊ ክሓትት ይኽእል።
10) ተወዳዳሪ ኣብ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይ ምግባር ግቡእ ይህልዎ።
11) እተን ተሽከርከርቲ ካላውዶ ዝተግበራ ምዃነን ምስተራጋገፀ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ክፍሊት ከፍፀመሉ ፍቓደኛ ዝኾነ፤
12) እተን ተሽከርከርቲ በዝሒ ክውስኽ ክቅንስ ይኽእል፤
13) እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኸፋሊ ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
Tel NO 0344416727