ቃላሚኖ ኢንቨስትመንት ማእከል

ን 2ይ ግዘ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ

ፍሩስካ

ኣብ ትሕቲ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዝመሓደር ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቀሰ ዝተፈላለዩ ንቀለብ እንስሳ  ዝውዕል ፍሩስካ ናይ ኒሁግ ፋጉለን ብጨረታ ክገዝእ ስለዝደለየ ነዚ ረቃሒ እተማልኡ ተጫረትቲ ኣብ ይዕድም

ጨረታ ክትሳተፉ

1. በቲ ዓይነት ዘርፊ ንግዲ ሕጋዊ ፍቃድ ዘለዎምን ግብሪ ከፋላይን መለለዪ Tin number/ ከቕርብ ዝኽእል፣

2. ዓመት ሙሉእ ብዘይ ምቁርራፅ በቢ ወርሑ ኩል ፍሩስካ 50 ኩል ፋጉለን ከቕርብ ዝኽእል፣

3. ናይ መቕረባይነት ምስክር ወረቀት

4. ቫት ተመዝጋባይ ዝኾነ፣

5. ኣብ እዋን ጨረታ መርኣያ sample/ ከቕርብ ዝኸእል፣

6. ጨረታ መኽበሪ 20,000.00 /ዕስራ ሽሕ ብር/ ብሽም ማእኸል ኢንቨስትመንት ቓላሚኖ ብ cpo ወይ ብጥረ-ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል፣

7. ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ብር100.00 /ብር ሓደ ሚእቲ/ ብምኸፋል ኣብ ማእኸል ኢንቨስትመንት ቃላሚኖ ቢሮ ቁፅሪ 02 ክትወስዱ ትኸእለ፣

8. ተጫረትቲ ናይ ጨረታሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ 08/10/2017 ዓ/ም ክሳበ 14/11/2017 ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈትና ዝርከብ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክትገብሩ ይግባእ፣

9. እቲ ጨረታ ዕለት 14/11/2017 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ተዓዕዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ዋላ ተዘይተረኸቡ ይኸፈት፣

10. ዝርዝር ድሌት መግለፂ ትካልና ካብ ዘቕርቦ ናይ ዋጋ መቕረቢ ቅጥዒ ወፃኢ ዋጋ መሊኡ ዘቕርብ ተቐባልነት የብሉን፣

11. ጨረታ ምስ ሰዓረ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ውዕሊ ኣሲሩ እቲ ዝተኣዘዘ በዝሒ ፍሩስካ ፋጉለን ሞላሰስ ኣታዊ ክገብር ዝኽእል፣

12. ጨረታ ሰዓራይ ናይ ዝሰዓረ ጠ/ዋጋ ውዕሊ መኸበሪ 10% ዝኸእል

13. ጨረታ ሰዓራይ ብዝተኣሰረ ውዕሊ መሰረት ናይ ዕደጋ ሕቶ ካብ ዝቀረበሉ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ከቅርብ ዝኸእል፣

14. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብ ስቁ 09 00 66 61 49 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል::