ቤት ፅሕፈት ትልምና ፋይነስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ

1 ብኤሌትሪካል ኣቅሑት ምቀራብን ዝረገፀ ሰላር ፓምፕ ማለት ኢነርጂ ዘርፍ ተንከፈ ስራሕቲ ዝተዋፈረ ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ብሶላር ቀረብን ዝርገሐን ማይ ፓምፕ ልዕሊ ክልተ ሚሊዩን ብር ሰሪሑ ዘረከበ ምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ኣብ ሕሉፍ ዓመታት ብሶላር ሲስተም ማለት ማይ ትካላት ስራሕቲ ሰሪሑ ናይ ሐደ ዓመት ስራሕ ልምዲ ከምእዉን ናይ መወዳእታ ክፍሊ ዝተኣዘዘሉ ማለት ፐይመንት ሰርተፊኬት ከቅርበ ዝክእል

3 ብሶላር ሲስተም ዝርገሐ ሓፂር ስልጠና ዝወሰደ ምካኑ መረደእታ ሰርተፊኬት ከቅርበ ዝክእል

4 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ብናይ ኤሌክትሪካል ቀረብ ሶላር ሲስተም ዘርፊ ዘለዎንብ ከቅርብ ዝክእልን

5 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩምን መረዳእታ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል ናይ ወርሒ ሚያዝያ  ወይ ጉንበት 2017 ዓም ሒሳብ ዘወራረድሉ ወይ ዲክላሬሽን መረዳእታ ቅዳሕ ዘቅርቡ

6 መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ቅዳሕ ዘቅርቡ

7 ኣብ መቀረባይት ዝተመዝገብኩም በቢዘፈረኩም ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል ወይድማ ኣብ ዕደጋ ምምሕዳር ንብረት ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሐበሬታ ዝተመዝገበ ምካኑ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

8 ዝተማለአ ሰነድ መቅረቢ ዋጋ ሐደ ዋና ሐደ ቅዳሕ ጠቅላላ ክልተ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል

9 መከበሪ ጨረታ 45000 ቅርሺ ብስፒኦ ክትሕዝ ዝክእል ወይ ብጥረ ገንዘብ እንተኮይኑ ናይ ሒሳብ ባንኪ ቁፅሪ 1000539538431 ኣታዊ ገይሩ ቅብሊት ከቅርብ ዝክእል

10 ተወዳዳራይ ቴክኒካዊ መዓቀኒታት ልዕሊ 45 ሚእታዊ ዝረከበ ፋይናንሻል ዉድድር ይሓልፍ

11 ኣብ ፋይናንሻል ዝተሐተ ዋጋ ዝመለአ ሰዓራይ ይከዉን

12 ዕድጋ ፈፃሚ ኣካል ምስ ናይ ቤት ፅሕፈታት በጀት መሰረት ብምግባር 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ክንኪ ይክእል እዩ

13 ንኮሎም መረዳተእታትን ካልኦት ተክኒካዊ መረዳእታትን ምስ ሐደ ኮፒ አተሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል

14 ዝተመለአ ሰነድ ሐደ ኦርጅንልን ሐደ ኮፒን ብጠቅላላ ክልት ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝክእል

15 ኣብ ዝምላእ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እነተሃሊዎ ናይ ባዕል ዋና ፊርማን ማህተምን ክህልዎ አለዎ እንተዘይኮይኑ ካብ ጨረታ ይስረዝ

16 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ሰነድ ሽም ኣድራሻ ማህተምን ፊርማን ክዓርፎ አለዎ

17 ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቁፅሪ 17 ሰነድ ጨረታ ዘይመለስ 500 እናከፈልኩም እዚ ምልክታ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 7/11/2017 ዓም ሰዓት 400 እናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ

18 ሰነድ ጨረታ ዝሐዘ ሳንዱቅ ዕለት 7/11/2017 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክበሉ ይከፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይምርካቦም ከይዲ ምክፋት ጨረታ ኣይተኣጎጎልን

19 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0342440307