ሚዛን ልቃሕን ዕቃርን ሕ/ስ/ማሕበር

ናይ ኦዲት ስራሕቲ ንምስራሕ ዝወፀ ግልፂ ጨረታ

ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዕቋርን ልቓሕን ሚዛን ብኣዋጅ 985/2009 ብብርኪ ክልል ንምስራሕ ፍቓድ ዝተወሃበ ሕ/ስ/ማሕበር ኾይኑ ናይ 2016/2017 ዓ.ም በጀት ዓመት ጥራሕ ብናይ ደገ ኦዲት ንምግባር ናይ ሒሳብ ስራሕቲ ወጊንና ኦዲት ክግብር (ሒሳብ ንክምርመር) ስለዝደለና ካብዚ ቀፃሊ ዘሎ መመዘኒ ሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ንዕድም ።

ተጫረቲ ዘማልእዎ ረቋሒታት

1. ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን መፍለይ ቁፅሪ (Tin N) ዘለዎ ፤

2. ናይ ዘመኑ ግብሪ ማለት ናይ 2016 ዓ.ም ዓመታዊ ግብሪ ዝኸፈለ፤

3. ቀደማይ ደረጃ ፍቃድ ኦዲት ዘለዎ/ዋ ኮይኑ ናይ ኦዲት ብቕዓት መረጋገፂ ዘቕርብ፤

4. ብተወሳኪ ኣብ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ብፍላይ ድማ ዕቋርን ልቓሕ ማሕበራት 3ተ ጊዜን ልዕሊኡን ኦዲት ከምዝገበረ መረዳእታ ዘቅርብ ዝኸእል፤

5. ውዕሊ ካብ ዝእሰረሉ ኣብ ውሽጢ 20 ናይ ስራሕ መዓልቲ ኦዲት ኣጠናቂቁ ከቕርብ ዝክእል፤

6. እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ (እስፔስፊኬሽን) እናመፃኩም ምውሳድ ትክእሉ።

7. ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ዝወፀሉ ካብ ዕለት 30/10/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታታሊ 5 ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸውን፤ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሽገሉ 04/11/2017 ዓ.ም ልክዕ ሰዓት 4፡00 ኾይኑ ዝክፈተሉ ብተመሳሳሊ ዕለት 04/11/2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ኣብ ዘለውዎ ኣብ ቀበሌ 16 ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ቁፅሪ - 4 ዝኸፈት ይኸውን፤

8. ዝርዝር ኦዲት ዝግበሩ ሰነዳት

በዝሒ ብፓድሓቃፊ (Box File)
CRV201
CPV90137
JV57
ካልኦት አብዚ ክከተቱ ዝግበኦም ናይ ኦዲት ስራሕትን ሓዊሱ ይኾዉን ፤

9. ማሕበርና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።