ፕሮፈርማ ቁፅሪ 11 2017 ዓ/ም
❖ ቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል
1. ሞባይል ሳምሲንግ ጋላክሲ ኤ-16 ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለ ዝደሊ ኣብዚ ፕሮፈርማ ክትወዳደሩ ትደልዩ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ይዕድም።
❖ ናይ ዘመነ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ምስቲ ንግዲ ፍቓድ ዝመሳሰል ናይ ግብሪ ከፋላይነት መለለይ ቑፅሪ ሰርተፊኬት (In) ዘለኩም ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርተፊኬት ዘለኩም።
❖ ናይዚ ፕሮፈርማ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ናይ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ካብ ዝግለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ንብረት ክተቅርቡ እትኽእሉ።
❖ ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹምን ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብግልፂ ዝርአ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ/ ንቢሮ ትራንስፖርትን መራኸብን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ዕደጋፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቑፅሪ 171 ካብ ዕለት 17/10/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 20/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ኣብ ዘሎ ግዜ ክተቕርቡ እትኽእሉ።
❖ እቲ ፕሮፈርማ ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት 20/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ኣብቲ ዝተገለፀ ቢሮ 3ይ ደብሪ ቑፅሪ 171 ስለ ዝኸፈት መፂእም ክትሳተፉ ትኽእሉ።
❖ ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ግልጋሎት ዋጋ ልዕሊ 20,000.00/ዒስራ ሽሕ ብር /እንተኾይኑ ቫት ዝተመዝገብኩም ሻት 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍፉ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ።
❖ ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግል ክፈልጥዎ ይግባእ።
❖ እቲ ፕሮፈረርማ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀነሐሉ ግዜ ፕርፎርማ ካብ ዝኸፈተሉ ዕለት ን7ተ ንተኸታታሊ ናይ ስራሕ መዓልቲ ይኸዉዕ።
❖ ቢሮና ነቲ ፕሮፈርማ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ +251914222506/+251914759607 ደዊልኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ምዃንኩም ንሕብር::