ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከተማ ሰሜን ኣብ ክ/ከተማና ንዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤለክትሮኒክስ አቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
ስለዚ ነዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ እንትንዕድም
1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ፣ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ In /ቲን/ ኣብ መቕረብቲ ዝተመዝገብሉ ናይ መቅረባይ ስርተፊኬት መረጋገፂን ሕጋዊ ማሕተም ኣብ ሕድሕድ ፖስታን ጨረታ ሰነድን ገይሩ ከቕርብ ዝኸእል ።
2. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋ/ክ/ከ ሰሜን ዘይምለስ ብር 200.00 ብምኸፋል ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ምግዛእ ይካኣል።
3. ናይ ጨረታ መኸበሪ(ሲፒኦ) ወይ ብዝተፈለጠ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ቸክ ናይ ኤለክትሮኒክስ መሳርሒ 5,000 ብር ከትሕዝ ዝኸእል/ትኸእል።
4. ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 13/10/2017ዓ/ም ክሳብ 22/10/17ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 23/10/17ዓ/ም ስዓት3:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ዕለት 23/10/2017ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ
ወኪላት ኣብ ዘለዉዎ ይኸፈት።
5. ሰዓራይ ምስተነፀረ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣሰር ዝክእል።
6. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
7. ኣብ ጨረታ ሰነድ ዝኮነ ይኩን ፅሑፍ ምፅሓፍ ወይ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን ።
8. ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናልን ፎቶ ኮፒን ብበይኑ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ ዝኸእል/ትኸእል።
9. ንተወሳኪ ሓበሬታ አድራሻና 07 ናይ ሆስፒታል መቐለ መዕፀፊ ሕልፍ ኢልካ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክ/ከ/ሰሜን ፊት ለፈት ወጋግን ባንኪ ዘለውሉ ህንፃ GTM ንርከብ ፡፡
10. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 15 95 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ይካአል።
11. ናይ ጨረታ መዕፀውን መኸፈትን በዓል/ቀዳም ሰንበትን እንተዊዒሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝክፈት ይኸውን።
* ምስሰላምታ *
ቤት ፅ/ት/ፋ/ክ/ከ/ሰሜን ከ/ስ/ዕ/ንብ/ምም/ርን