ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ

ምልክታ ፕሮፎርማ

ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ሎጎ ከስርሕ ስለዝደለየ በዚ ስራሕ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም ተወዳደርቲ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ

ናይ 2017 ግብሪ ዝኸፈሉን ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ ናይ መቕረባይ መፍለይ ቁፅሪ /Tin number/ን፣ ናይ መቕረባይ ምስክር ወረቐት መረጋገፂን ዘቕርብ፡፡

1. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ዝርዝር ካብ ዕለት 12/10/2017 ዓ.ም ጀሚሩ እናመፃእኹም ካብ ቢሮ ቁፅሪ 110 ምውሳድ ይካኣል፡፡

2. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 17/10/2017 ስዓት 03፡30 ሰዓት ናይ ንጉሆ ኣታዊ ኾይኑ ይዕሸግ፡፡

3. ፕሮፎርማ ዝኸፈተሉ ዕለት 17/10/2017 ስዓት 4፡00 ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 109 ይኸውን፡፡

4. እዚ ፕሮፎርማ ኣብ መንጎ ግዝኢት ፈፃሚ ኣካልን መቕረባይን ከም ውዕሊ ኮይኑ የገልግል፡፡

5. ነቲ ሎጎ ኣብ ውሽጢ 6 መዓልቲ ሰሪሑ ከረክብ ዝኽእል።

6. ቢሮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

7. እቲ ፕሮፎርማ ብፋይናንሻልን ቴክኒካልን መዳይ ስለዝርኣይ ብክልቲኡ ፈላሊኹም ክተቅርቡ ንሕብር። ነጥቢ 80% ቴክኒካል እንትሕዝ 20% ድማ ፋይናልሻል ይኸውን።

8. ተጫረቲ ሰነድኹም ንጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ንክተእትዉ ንሕብር።

9. ኣድራሻና ከባቢ ጥዕና ጣብያ መቐለ ፊትንፊት ፎቶደስታ ዝርከብ ህንፃ ኣብርሃም ደስታ ቀደማይ ደብሪ እዩ፡፡

10. ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 09-14-76-94-50 ደዋልካ መብርሂ ምሕታት ይከኣል።

ኣድራሻ፡ መቐለ ትግራይ፣ ኢትዮጵያ