መለስ ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ

ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ተሃድሶ ሰራዊት ትግራይ መለስ ካምፓስ ንውጉኣት ተጋደልቲ ምግቢ ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፋላለዩ ናይ እንቋቁሖን ፀባን ግልፂ ጨረታ አጫሪቱ ክዕድግ ይደሊ።በዚ መሰረት እዞም ዝስዕቡ ረቛሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ክትሳተፉ ይዕድም።

1) ተጫረቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን(ቲን ናምበር) ናይ ኣቅራባይነት ፍቃድን ዘለዎምን ኣድላዪ ዶክሜንትን ምስቲ ሰነድ ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዞም ከቕርቡ ይግባእ።

2) ተጫረቲ ኣብ ዘእተውዎ ሰነድ ብዘይ ስርዝ ድልዝ ንፁር ዋጋ መሊኦም ከቅርቡ ኣለዎም።

3) ተጫረቲ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ብዝተዳለወ መምልኢ ዋጋ ኣብ ባዕሉ መሊእኹም ካብ ዕለት 10/10/2017ዓ/ም ጀሚርኩም ክሳብ ዕለት 24/10/2017 ዓ/ም ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ ኣብ ዕደጋ ክፍሊ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክተእትዉ ይግባእ።

4) ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዓይነት ግልጋሎት ብዝተኣዘዘ ግዘ ፣ መጠንን ፅሬትን መሰረት ክኸዉን ይግባእ።

5) እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለውዎ ዕለት 24/10/2017 ዓ/ም እንቋቁሖ ፋይናንሻል ስፐስፊኬሽን ቅድሚ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ 4፡30 እንትኽፈት።ፀባ ድማ ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ 9:ዐዐ ይክፈት።

6) ናይ ጨረታ መኽበሪ 50,000 ( ሓምሳ ሽሕ) ቕርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ጥራሕ ብማ/ተ/ሰ ትግራይ መለስ ካምፓስ ሽም ብዝተዓሸገ ፖስታ ከእትዉ ይግባእ።

7) ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 150(ሓደ ሚኢትን ሓምሳን) ቕርሺ ኣብ ናይ ትካልና ፋይናንስ ብምኽፋል እቲ ሰነድ ካብ ዕደጋ ክፍሊ ክወስዱ ይግባእ።

8) ተጫረቲ ማህተም ዘለዎ ምሉእ ኣድራሽኦምን ስልኪ ቑፅሮምን ከቐምጡ ኣለዎም።

9) ተጫረቲ ናይ 2016 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ምስ ናይ 2017 ግብሪ ከም ዝከፈለ መራጋገጺ ሰነድ ኣታሓሒዙ ከቅርብ ዝክእል ክከውን ኣለዎ።

10) ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብውሱን ወይ ኸዓ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ።