ምልክታ ፕሮፎርማ
ማሕበር ልምዓት ትግራይ ደንቢ ኸዳን ሰራሕተኛታቱ ዝምልከቶም ትካላት ብምውድዳር ከስርሕ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ዝለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡን ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡
1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣
2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (Tin Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣
3. ቫት ወይ TOT ተመዝገብቲ (እንተኾይኖም) ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ ወርሒ መጋቢት 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉ፡
4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓም ከቕርቡ ዝኽእሉ፡
5. ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ቅብሊት (ደረሰኝ) ከቕርቡ ዝኸእሉ፣
6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣
7. እዚ ፕሮፎርማ ስዒርካ ምስተብሃለ ኣብ ውሽጢ 05 መዓልቲ እቲ ዝድለ ንብረት ብናይ ባዕሎ መጓዓዝያ ከቕርብ ዝኽእል፣፣ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተጠቐሰ ጊዜ ገደብ እንተዘይኣቕሪቡ ሰዓራይ ካብ ውድድር ወፃኢ ብምግባር ቤት ፅሕፈትና ካልእ መማረፂ ይጥቀም፡
8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ፣፣ ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡
9. ኣብቲ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣
10. ማልት እቲ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ፣
11. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 13/10/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማልት ይኸፈት፡፡
ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!