ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከባ 4ተ ሳይታት ዋርድያታት ንምቁፃር ብግልፂ ጨረታ ፍቃድ ዘለዎም ትካላት ብምውድዳር ውዕሊ ኣሲሩ ከስርሕ ይደሊ ስለዚ ክትወዳደሩ እትደልዩ ብግልፂ ጨረታ ይዕድም።

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረቋሒ

1. ናይ 2017 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ቲን ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉ

2. መቕረባይነት ሰርተፊኬት ክተቕርቡ ትኽእሉ

3. መኽበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ውሕስና(CPO) ብር 10,000.00 ከትሕዙ ዝኽእሉ።እቲ ዝቐርብ ሲፒኦ ንበይኑ ተኣሽጉ ክቐርብ ኣለዎ ሲፒኦ ዘየቕረበ ወይ በቲ ዝተብሃለ መጠን ዘየትሓዘ ካብ ጨረታ ይስረዝ ከምኡ ድማ ብጥረ ገንዘብ ዘይንቕበል ምኳና ክነፍልጥ ንፈቱ

4. ፋይናንሻልን ቴክኒካልን ሰነድ ጨረታ ኦርጅናልን ቅዳሕን ብ2ተ ዝተፈላለየ ፖስታ ኣዳልዩ ኣብ ሓደ ዓብይ ፖስታ ብምእሻግ ትካል ናብ ዘዳለዎ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታው ትኽእሉ

5. እቲ ጨረታ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ 07/10/2017 ዓ.ም ጀሚሩ ን5ተ መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ እንትኸውን ዕለት 12/10/2017 ድሚ ሰዓት 3፡30 ተዓዕዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡00 ይኽፈት።

6. ተጫረቲ ቴክኒካል ፋይናንሻል ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ናይ ዋሕስ ክፍሊ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስ ቢሮ ዘይምለስ ብር 200.00 ብምኽፋል ክወስዱ ኣለዎም

7. ተጫረቲ ቅድሚ ዋጋ ምምል እቶም ዝሕለው ቦታታት ናብቲ ሳይት ብኣካል ከይዶም ክርእዩ ኣለዎም

8. ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣ/ማ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ

9. ንተወሳኺ ሓበሬታ ብኣካል ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ +251938000111/+251938000222 ይደወሉ

ኣድራሻና፡- መቐለ ካብ ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዝወድስ መንገዲ ባንኪ ኣቢስንያ ኣብ ዝርከበሉ ህንፃ 3ይ ደብሪ ንርከብ፡፡