ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

ቁፅሪ ዕ/ፋ/ን/ ምም/ርን/ /35

ዕለት 4/10/2017ዓ/ም

ምል ከ ታ ግልፂ ጨረታ

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ኮሌጅ ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ሙዚቃ ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከዕድማ ስለዝደለየ ተወዳደርቲ ይዕድም።

አብቲ ጨረታ ክሳተፍ ዝድሊ አቐራቢ ከማልኦ ዝግባእ ሮቛሕታት

1) ምስቲ ዘቕርቦ ኣቑሑ ተዛማድነት ዘለዎን ሕጋዊ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ከቐርብ ዝኸእል።

2) ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለዪ ቁፅሪ (T) ፣ ናይ መንግስታዊ ዕደጋ መቅረባይነት ከቐርብ ዝኸእል ።

3) ተወሳኺ እሴት ታከለ (VAT)ተመዝጋቢ ምዃኖም ዝገልፅ መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል ።

4) ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብር 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ብር) ብናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ኣፍልጦ ዝተውሃቦም ባንክታት ስ.ፒ.ኦ ምቅራብ ዝኸእል ወይ ብጥረ ገንዘብ የትሕዝ።

5) ኣሸናፊ ምዃኑ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ዘሸነፈሉ ንብረት ዋጋ 10% ውዕሊ መኽበሪ አትሒዙ አብ ውሽጢ 3 መዓልትታት ውዕሊ ኣሲሩ እቲ ዘሰነፎ ንብረት አብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዝያ ናብ ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ እቲ ንብረት አታዊ ከገብር ዝኽእል።

6) ንጨረታ ሰነድ መግዝኢ ብር 50.00 ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ካብ ዕለት 4/10/2017ዓ/ም ክሳብ ዕለት22 /10 /2017ዓ/ም ጨረታ ሰነድ ብምውሳድ ናብቲ ንጨረታ ሳንዱቕ ዝተዳለወ እታዊ ከገብር አለዎ።

7) ጨረታ ሳንዱቕ ዝዕሸገሉ ዕለት 22/10/2017ዓ/ም ሰዓት 3፡00 ኮይኑ ጨረታ ሳንዱቕ ዝኽፈተሉ ዕለት ድማ 22/10/2017 ዓ/ም ሰዓት

3፡30 ይኸውን።

8) ኣብ መንግስታዊ ቤት ዕዮ አብ ዝፍፀም ግዝኢት ንምስታፍ ኣብ ናይ አቑሑትን ግልጋሎትን መቅረብቲ ምዃኖም ዘረጋግፅ መለለዪ ካርዲ ኮፒ ገይሮም ከተሓሕዙ ኣለዎም።

9) ጨረታ እንትኸፈት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ክርከቡ ንዕድም።

10) ውዕሊ ኣሲሮም ብውዕሊ መሰረት ርኽክብ እንተዘይተፈፂሙ ርኽክብ ዘይተገበረለን መዓልትታት 1/1000 ብምብዛሕ ብቅፅዓት መልከዕ ናብቲ ኮሌጅ (ናብ መንግስቲ ካዝና) አታዊ ይገብር።ኾይኑ ግን እቲ ቕፅዓት ካብ ውዕሊ ዋጋ (10%) አይበልፅን።እቲኮሌጅ ናይ ውዕሊ ዋጋ 10% እስካብ ዝበፅሕ ከፅበ አይግደድን መጠንቐቕታ ብምሃብ እቲ ውዕሊ ምቁራዕ ይከአል እዩ።

11) እቲ ኮሌጅ ካብቲ ኣብ ጨረታ ሰነድ ዝሓተቶም ግልጋሎት ከም ኩነታቱ 20% ኸውስኸን ኽቅነስን ይኸእል።

12) እቲ ኮሌጅ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

13) ተጫረቲ ጨረታ ምስተኸፈተ ዘቕርብዎ ዋጋ ናይ መወዳደሪ ሓሳብን ለውጥን ወይ ድማ ምምሕያሽ ዘይከአል ምዃኑ ባዕሎም ካብቲ ጨረታ ምግላል ዘይከኣል ምዃኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ ይግባእ።

አድራሻና፡-

ኮሌጅ ኪነ-ጥበባት ትግራይ

ዝርከበሉ ቦታ አብ ማእኸል ጥዕና ጣብያን ፎቶ ደስታን

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 94 67 ወይ ሞባይል ቁፅሪ 09 14 413007 ወይ ድማ 091474720 ምድዋል ይከኣል እዩ።