ማሕበር ልምዓት ትግራይ

ምልክታ ጨረታ

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ዝውዕል ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት ብረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዝኾነ ድማ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እተማልኡ ዝምልከተኩም ተወዳደርቲ ንክትሳተፉ ይዕድም፡፡

1. ናይ 2017 ዓ.ም በቲ ዘርፊ ስራሕ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ፣

2. መለለዪ ንግዲ ፍቓድ (In Number) ምስ ንግዲ ፍቓድ ፎቶ ኮፒ፣

3. ቫት ወይ TOT ተመዝገብቲ ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ናይ መጋቢት ወርሒ 2017 ዓ.ም ዲክላራስዮን ከቕርቡ ዝኸእሉ፣

4. ዝተሓደሰ ምዝገባ መቕረባይነት 2017 ዓ.ም፣

5. ጨረታ መኸበሪ ሰነድ ብስፒኦ (CPO) ብር 10,000.00 ከቕርቡ ዝኽእሉ፣

6. ካብ እስፐሲፍኬሽን ወፃኢ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን፣

7. እዚ ጨረታ ስዒርካ ምስ ተብሃለ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ 10% ናይ ዝመልእዎ ዋጋ መክበሪ ውዕሊ ብምቅራብን ዘየማትእ ውዕሊ ብምእሳርን እቲ ዝድለ ንብረት ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፣

8. እቲ ዋጋ ክምላእ ከሎ ምስ ቫቱ ምዃኑን ዘይምዃኑን ብንፁር ክቕመጥ ኣለዎ። ብንፁር እንተዘይተፈሊጡ ምስ ቫቱ ከምዝተመልአ ተሓሳቢ ይግበር፡፡

9. ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሙሉእ ሽምን ማህተምን እቲ ትካል ክጥቀስ ይግባእ፣

10. ትካልና 20% ናይቲ ንብረት ምንካይን ምውሳክን ይክእል፣

11. ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ(ጥቓ ቤተ መንግስቲ) ቢሮ ቑፅሪ 150 እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ሰዓት ብር 200.00 ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል፣

12. ማ.ል.ት እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣

13. እዚ ጨረታ ዕለት 12/10/2017 ዓ.ም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 9:00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ማ.ል.ት ይኸፈት።

ማ ሕ በ ር ል ም ዓ ት ት ግ ራ ይ!