ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ

ቁፅሪ ዳ/ዕ/ን/ምም/ርን/ 555/2017 ዓ/ም 

ዕለት:- 02/10/2017 ዓ/ም

ናይ ከባብያዊ ግልፂ ጨረታ መፀዋዕታ ምልክታ

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ካብ በጀት ዓመት 2017 መደበኛ በጀት ፅሕፈት መሳርሒ ብከባብያዊ ግልፂ ጨረታ ብምልጣፍ ኣወዳዲሩ ንምዕዳግ ስለዝደለየ ስዒቦም ዘለዉ ረቋሒታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕዉዕ::

1. በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ናይ 2017 በጀት ዓመት ዝተሓደሰ ሓደ ገፅ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኾኑ ኣለዎም::

2. ተጫረቲ ናይ ዝወዳደሩሎም ዘርፊ ናይ 2017 በጀት ዓመት ሓደ ገፅ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ካርዲ ከቅርቡ ዝክእሉ ክኮኑ ኣለዎም::

3. ናይ ግብሪ ከፋሊ ቲን ናምበርን ጠ/ ግልፂ ዝኮነ መረዳእታ ሓደ ሓደ ገፅ ከቅርቡ ኣለዎም::

4. ተጫረቲ 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቸክ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይግባእ::

5. ተጫረቲ መጫረቲ ሰነዶም 100 ብር ብምክፋል ካብ ዕለት 03/10/2017-12/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 11:30 ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ዳይሬክተር ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ቁፅሪ-4 ምዉሳድ ይክእሉ እዮም::

6. ተጫረቲ አሸናፊነቶም ካብ ዝተገለፀሎም ድሕሪ ናይ ጥርዓን 3ተ ናይ ስራሕ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3' ናይ ስራሕ ማዓልቲ 10% ናይ ጠቅላላ ዘሸነፍዎ ንብረት ዋጋ ብስም ቤት ዕዮና ብምትሓዝ ዉዕል ኣሲሩ/ራ ኣብ ዉሽጢ 3' ናይ ስራሕ ማዓልቲ ንብረት ኣታዊ ክገብር ዝክእል::

7. ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ንብረት ብዉዕሉ መሰረት ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም:: መቅረባይ ብዉዕሉ መሰረት ኣታዊ ካብ ዘይገበሮ ንብረት በብመዓልቱ 0.1% ወይ 1/1000% ቅፅዓት ይቅፃዕ::

8. ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ብዝተቀመጠ ዝርዝር ወይ ድማ በዝሒ ካብ ሕድ ሕድ ዓይነት ንብረት ቤት ዕዮ ብ 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ዝክእል ምኳኑ ክፈልጡ ይግባእ::

9. ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐለ መዓልቲ ዝቁፀር ካብ 03/10/2017- 12/10/2017 ዓ/ም ን 10 ተከታተልቲ መዓልቲታት ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ድማ _ ዕለት 13/10/2017 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:30 ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ ድማ ዕለት 13/10/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኩሎም ተጫረቲ /ሕጋዊ ወኪሎም/ ኣብ ዝተረከብሉ ኮይኑ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ መዓል ድማ ካብ ጨረታ ዝተከፈተሉ መዓልቲ ዝቁፀር 18 ተከታታሊ መዓልቲ ምኳኑ ክፈልጡ ይግባእ::

10. ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ሕቶ እንተሃልይዎም ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ብፅሑፍ ናብ ቤት ዕ ከቅርቡ ይክእሉ እዮም::

11. ቤት ዕዮና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ጥራሕ ዘገልግል ስልኪ 03-44-40-24-20 ብምድዋል ምሕታት ይክኣል