ቁፅሪ/ref no /ኤ _2 /ፐሮ - 26
ዕለት 02/10/2017
ፕሮፎርማ ቑፅሪ -31
አብ በጀት ዓመት 2017 ዓ/ም ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ንቢሮ ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ግልጋሎት ካፌን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::
በዚ መሰረት ክትወዳደሩ እትደልዩ መቅረብቲ ትካላት
- ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን መቅረባይነትን ዘለኩም::
- ናይ ግብሪ ከፋላይ መፍለይ ቁፅሪ/IN/መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል::
- ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ዝርዝር /Specification/መሊኦም ከቅርቡ ኣለዎም::
- መቅረብቲ ካብ ዕለት 02/10/2017 ዓ/ም ክሳብ 04/10/2017 ሰዓት 11: 30 ሰነድ ፕሮፎርማ ክትወስዱ ትክእሉ ::
- ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት 05/ 10/2017ዓ/ም ሰዓት 4:30 ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም ኣብ ዘለውሉ ይክፈት::
- እዚ ፕሮፎርማ ተወዳደርቲ ትካላት ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኺቦም ንምክፋት ዝዓግቶ የለን::ተጫረቲ እቲ ዘቅረብዎ ዋጋ ኣብቲ ኤጀንስና አብ ዘዳለዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ክመልኡ ኣለዎም::
- ኣብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን
- ተሳተፍቲ ኣብ ሰነድ ፕሮፎርማ ማህተም ናይ ድርጅቶም ክዓርፎ አለዎ
- ኤጀንስና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እዚ ፕሮፎርማ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
- ኣድራሻና ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ አብ ግራዉንድ ክፍሊ ቢሮ ቁፅሪ 1 ወይ 1ይ ደብሪ ቁፅሪ 106 ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምም/ንብረት::
- ተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 63 80 ኣብ ስራሕ ስዓት ምድዋል ይካኣል::