ዕለት 02/10/2017ዓ/ም
ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ኣብ ርእሰ ዋኒኑ ከምዝተገለፀ ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2017ዓ/ም ንናይ ቤት ፅ/ትና ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለዩ ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቑሑት/ስፔር/ ብግልፂ ጨረታ ከወዳድር ይደሊ፡፡
1. ጨ.ቑ ቤት ፅ/ት.ጉ.ኮ/ኣቑ - 05/2017 ናይ መካይን መለዋወጢ ኣቑሑት /ስፔራት/
በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ እተማልእዎ ሮቑሓ፦
1. ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ቫት ተመዝገብቲን ናይ መወዳእታ ወርሒ ቫት ሪፖርት መፍለይ ቑፅሪ፣ኣብ ዝርዝር መቕረብቲ ዝተመዝገቡ ምኻኖም መረዳእታ /መቅረባይነት ከቅርቡ ዝክእሉን ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ብዝተቀመጠ ዝርዝር መዐቀኒታት ዘማልኡን
2. መኸበሪ ጨረታ፡
➢ መካይን ጎማ ብር 15,000.00/ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ብር/ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ C.PO ከትሕዙ ዝኽእሉ
3. ዋጋ ሰነድ ጨረታ፣
ዘይምለስ ብር 100.00/ሓደ ሚኢቲ ብር/ ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ክልል ትግራይ ዳሬክቶሬት ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ቢሮ ቑፅሪ 8 ንተኸታታሊ ካብ ዕለት 02/10/2017 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 16/10/2017ዓ.ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ ጊዜ መፂኹም ምግዛእን ንኡ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ናይ ጨረታ ሰነድ ምእታው ትክእሉ፣
4. ጨረታ ዝዕፀወሉን ዝኸፈተሉን ዕለት -
4.1. ዕለት 16/10/2017 ዓ.ም ስዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ስዓት 9:00 ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ልዕል ኢሉ ኣብ ዝተጠቀሰ ኣድራሻ ብግልፂ ይኸፈት፣
5. ቤት ፅ/ትና ነቲ ዘውፀኦ ጨረታ ከም ኣድላይነቱ 20% ናይ ምውሳኸ ወይም ናይ ምቕናስ መሰሉ ዝተሓለወ'ዩ፣
6. ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ዝኮነ ትካል ካብ ዘሸነፎ ጠቅላላ ዋጋ 10% አትሒዙ ውዕሊ ዝኣስርን
7. ስዓራይ ብቲ ዝወፀ ስፐሲፊክሽንን መሰረት ምስቐረበ ፅሬቱ ብዝምልከቶም ኣካላት ምስተረጋገፁ ኣብቲ ዝድለየሉ እዋን ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ቤት ፅ/ትና ኣታዊ ይገብር፡
8. እዚ ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሉ ግዜ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን10 መዓልቲ ይኸውን፡፡
9.ዝቐርብ ሰነድ ጨረታ ሓደ ኦርጅናልን ኣብ ኩሉ ገፅ ናይቲ ትካል መሓተም ዝዓረፎን ሓደ ኮፒን ይኸውን
10. ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ 'ዩ፣
11. ንዝበለፀ ሓበሬታ - ቤት ፅ/ትና ዝርከበሉ ፊትለፊት ኣግኣዚ ባንኪ ጎኒ ዘዮርዳኖስ ሆቴል ስቑ 0344409343 / 0914734003 ወይ 0914766550/ ደዊልካ ምሕታት ይከኣል'ዩ፡፡
ቤት ፅ/ት ጉዳያት ኮሙኒኬሽንክልል ትግራይ