ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ም/ር ሓዉዜን ንቤት ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ 2017 ዓ/ም 

  1. ናይ ፅሕፈት መሳርሒ 

ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ:: ስለዚ ክትረቱ እትደልዩ ተረትቲ ንክትወዳደሩ በዚ መሰረት ነቲ ዝድለ ረቑሓታት ተጫረቲ ንዕድም፡፡

  • በቲ ዝተጠቐስ ዘርፊ ናይ 2017 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዝተሓደሰ ዘለኩምን ናምበር መትራባይነት ዝተሓደሰ ዘለኩም ናይ 2016 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም፡፡
  • ሻት ተመዝገብቲ ዝኾንኩም ከምኡ ድማ ናይ ወርሒ መጋቢት ዱክለር ዝገበርኩም ።
  • ቅድሚ ጨረታ ነቲ ጨረታ መኽበሪ 5000 (ሓሙሽተ ሽሕ) ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ባንኪ ዝተረጋገፀ መአዚዚክፍሊት ቼክ/ C.P.O/ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሌተር ኦፍ ክሬዲትን።
  • እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ ናይ መኽበሪ ጨረታ ቢድባንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕደጋ መሰረት ይምለሰሉ።
  • ናይ ፅሕፈት መሳርሕን 25/09/2017ዓ/ም ጀሚሩ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዶክሜንት ብምዕዳግ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ዶክሜንት ብምምላእ ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ዓሺግኩም ፊርማን ማህተምን ተገይሩሉ ኣብ ቤት ፅ/ት ልምዓት እቶትን ም/ር ፋይናንስ ወረዳሓዉዜን ቁፅሪ 02 ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ይኣቱ፡፡
  • ናይ ፅሕፈት መላርሒ እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 5/10/2017ዓ/ም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ስዓት 8፣30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ም/ር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቢሮ ቁፅሪ 02 ይክፈት።
  • ተጫራታይ ባዕሉ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ተዝህልዉ ይምረፅ/እንተዘይሃልዮም ግና ዘይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ/ጨረታ ደክሞት/ኣይህልን።
  • ሰዓሩይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5'መዓልቲ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል መዕዩ ውዕሊ ይኣስር ።
  • ናይቲ ሽያጥ ዝርዝር ዶኩሜንት ዘይምለስ 50ብር(ሓምሳ ብር) ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምሃር ፋይናንስ ወረዳ ሓዉዜን ከ/ስ/ዕ/ንብ/ምም/ርን ቁፅሪ 02 ምዉሳድ ይከኣል ።
  • “ሕረታ ዝሰዓረ ውዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% መኽበሪ ውዕሊ ክትሕዝ ዝኸእል
  • ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ ንብረት ኣታዊ ዘይገበረ እቲ ኣታዊ ዘይተገበረ ንብረት ብሕድሕድ መዓልቲ 1/1000 ተቀፂዑ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ኣታዊ ይገብር።
  • ተረቲ ካብ ዝተመልአ ዝርዝር ዋጋ ዝተሓተ ብምውሳድ ሰዓራይ ዝኸውን ምዃኑ ኣሚኖም ክዋዳደሩ ይግባእ ። እቲ ጨረታ ብዝተፈላለየ መለክዑ ከዛብዑ ዝፈተኑ ተጫረቲ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ጌሩ ንቀፃሊ ከይሳተፍ ይገብር ።
  • ተጫረቲ ድሕሪ ጨረታ ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ። ማለት ዘትሓዝዎ ናይ ጨረታ መኸበሪ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።
  • ሰዓራይ ንዝሰዓሮንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዝያ ብምሽፋን ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቢሮ ቁፅሪ 02 ኣጓዓዓዙ ዘቅርብ።
  • ሰነድ ጨረታ ካብ ናይ ባዕልና ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን ።
  • ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ ንብረት መጠን ኣይተም ብኣይተም 20% ክዉስክ ወይ ክቅንስ ንክእል ኢና። 
  • ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ነቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ፅሕፈት መሳርሒ ንብረት ዝሰዓረ ነጋዳይ ኣጋዓዕዙ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምሃር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቢሮ ቁፅሪ 02ኣጋዕዙ ምስ ኣምፀአ እቲ ንብረት ፅሕፈት መሳርሒ ብሴክተራት ብተጠቀምቲ ቤት ፅሕፈታት ምስ ኣረጋገፅዎ ኣታዊ ይኩን ኢሉ ምስ ፀሓፈልናን ክፍሊት ንከፍል ምካና ነፍልጥ።

ምስ ሰላምታ

ወረዳ ሓዉዜን ልምዓት እቶትን ምምሃር ፋይናንስን ንዝበለፀ ሓበሬታ 0914101196/0914138946