ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንዳ መኾኒ

ቁፅሪዕን ምም/ር/01/15- 

ዕለት 22/09/2017 ዓ/ም

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ – ወረዳ እንዳ መኾኒ ንፈር ቁጠባ ከይዲ ስራሕ ሃ/እንስሳ -- ግልጋሎት ዝወዕል ናይ እንስሳት መድሃኒትን ናዉትን ብመደበኛ በጀት ሕጋዊ ንግድ ፍቃድ ካብ ዘለዎም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ ፡፡ በዚ መሰረት በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ብር 200 ( ክልተ ሚኢቲ ቕርሺ / ብምኽፋል ጨረታ ሰነድ ካብ 22/09/2017 ዓ/ም ክሳብ 02/10/2017 ዓ/ም ኣብ ከተማ ማይጨው ኣብ ጥቃ ቴክኒክ ኮሌጅ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወ/እ/መኾኒ መፂእኹም ንክትወስዱ ንዕድም ፡፡

1. ናይ ተጫራታይ ሽም ፣ ፊርማ ፣ ማህተም ፣ ኣድራሻ ክትገብሩ ይግባእ፡፡

2. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግድ ፍቓድን ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቕረባይነትን ከቕርብ ዝኸእል፡፡

3. መለለይ ቁፅሪ ዘለኩም

4. ናይ ብቅዓት መረጋገፂ ከቅርብ ዝኸእል

5. እቲ ናይ እንስሳት መድሃኒትን ናዉትን ኣብ ቀረባ እዋን ግዜኡ ክሓልፎ ዝኸእል/ Expird date/ ክኸዉን የቡሉን

6. ምስ ዋና ሰነዱ ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፕን ክቅርብ ዝኸእል

7. እቲ ፓስታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ እንዳ መኾኒ ከ/ስ/ዕ/ን/ምም/ር ቢሮ ቑፅሪ ክልተ ዘሎ ሳንዱቅ ኣታዊ ይግበር

8. መኸበሪ ጨረታ 4,000.00 /አርባዕተ ሽሕ /ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ጥራሕ ከትሕዝ ዝኸእል፡፡

9. ተጫራታይ ምስ ሰዓረ እንተዘይተስማሚዑ ዘትሐዞ መኽበሪ ጨረታ አይምለስሉን፡፡

10. ሰዓራይ ተጫራታይ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ምስ ሓለፈ አብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር አለዎ፡፡

11. እቲ ጨረታ 02/10/2017 ዓም ሰዓት 8፡30 ተዓፅዩ 02/10/2017 ዓ/ምሰዓት 9፡00 ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እ/መኮኒ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸፈት ፡

12. ተጫረቲ አብ ጨረታ መምርሒ ዝተቀመጠ ናይ ጨረታ ግቡኣት ክሳብ ዘመልኡ ብኣካል እንተዘይተረኸቡ እዉን ፖስታኦም ክኽፈት ይግበር ፡፡

13. ናይ ንብረት መረከቢ ቦታ ወረዳ እንዳ መኮኒ ትልምን ፋይናነስን ፡፡

14. ሰዓራይ እቲ ዘሸነፎ ዓይነት ናይ እንስሳት መድሃኒትን ናዉትን በቲ ዝተጫረቶ መሰረት ከቅርብ - ኣለዎ፡፡

15. እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል እቲ ጨረታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914165795 ምሕታት ይከኣል