ቁፅሪ ዕፉን/ምጨ/15/Ç)0/2017 ዓ/ም
ዕለት 18/09/2017 ዓ/ም
ምልክታ ፕሮፎርማ ቁፅሪ 18/2017 ናይ ሎጎን ፅ/መሳርሕን ይምልከት
ቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ንናይ ሎጎን ፅሕፈት መሳርሕን ብፕሮፎርማ አወዳድርካ ክነስርሕን ክንገዝእን ንደሊ ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ በቲ ኣብ ታሕቲ ዝተገለፀ ረቛሒ መሰረት ንክትወዳደሩ ብክብሪ ንዕድም ፣ እዚ ፕሮፎርማ ድማ ኣብ ትልሚ ዘይተትሓዘን ግዜ ስለ ዘይህብን ስለ ዝኾነ ዝወፅኣ እዩ፡
1. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም
2. ናይ ግብሪ ከፋላይነት ቲን ከምኡ ውን ዝተሓደሰ መቅረባይነት ናይ 2017 ዓ/ም ከቅርብ ዝክእል ይኸውን
3. ናይዚ ፕሮፎርማ ጨረታ ሰዓርቲ እንተኾይንኩም ካብ ዝተገለፀልኩም እዋን ጀሚርኩም ኣብ ውሽጢ ዝተወሃበኩም መዓልቲ ኣብ ስራሕ ክተቅርቡን ።
4. ናይ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ሎጎ ዝስራሕ ኮይኑ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላትን ናይ ቢሮናን ነበር ብምውሳድ ዝስራሕ ኮይኑ ዝርዝር መግለፂኡ ኣብ ዋጋ መግለፂ ዝግለፅ እዩ ብተወሳኪ ድማ ናሙና ምስ ዋጋ ምመልኢ ተታሓሒዙ ክቀርብ ዘለዎ ኮይኑ ዝተሓተ ዋጋ ዝመልአ ሰዓራይ ብምውሳድ እቲ ዘቅረቦ ናሙና በቲ ዝተወከለ ኮሚቴ በዓል ሞያ ብምርኣይ ክስተከከልን ክልወጥን ዝክእል ምዃኑ ፈሊጥኩም ክትወዳደሩ ንዕድም /ኣድላይ ዘበለ ዶክመንት ኣተሓሒዝኩም ክተቅርቡ ትክእሉ ኢኹም
5. ነጋዶ ናይ መወዳደሪ ደኩሜንትኹም ናይቲ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒን ናይ ትካልኩም ማህተምን ፌርማን ዘለዎ ኮይኑ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዝተዓሸገ ፖስታ ንቢሮ ቴክኒክን ሙያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ ዳይርክትሮት ዕደጋ፣ፋይናንስን ንብረት ምም/ርን ቢሮ ቁፅሪ 333 ካብ 18/09/2017 ዓ/ም ክሳብ 21/09/2017 ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11፡30 _ ኣብ ዘሎ ግዜ ዋጋ መሊኢኩም ክተቕርቡ እትኽእሉን ብድሕሪኡ ዝመፅኣ ፖስታ ዘይንቅበል ምዃና ንሕብር ።
6. ፕሮፎርማ ዝክፈተሉ ዕለት ቀፂሉ ይክፈት ናይ ስራሕ መዓልቲ 22 /09/2017 ዓ/ም ሰዓት 3፣30 ናይ ንጉሆ ይከውን
7. ናይቲ ዝሰዓርኩምዎ ንብረት ዋጋ ልዕሊ 20000.00/ዒስራ ሽሕ ብር/እንተኾይኑ ቫት ዝተመዝገብኩም ቫት 7.5 % ኣብቲ ቢሮ ተቖሪፁ ዝተርፍ ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ ።
8. ተወዳደርቲ ዘቕረብዎ መወዳደሪ ደኩሜንት ከም ውዕሊ ኮይኑ ከም ዘገልግልን ኮይኑ ምዃንኩም/ን ምስተ ፈለጠን ደብዳቤ ምስ በፅሓኩም ኣየቅርብን ምባል ተቀባልነት የብሉን ፡፡
9. ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ ። 10.ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034-4403447 ደዊሎም ክሓቱ ይኽእሉ ።
ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ስራሕ ዕድል ፈጠራን ክልል ትግራይ