ቱ ጨረታ.06/2017 /በጀት ዓመት
ምልክታ ጨረታ
ንበዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን2017 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ፣ ዝምልከተኩም ትካላት በዚ ዝስዕብ ረቑሓ መሰረት ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡ ዝዕደግ ዓይነት ንብረት ድማ ዝስዕብ እዩ።
➢ ኮምፕዩተር ብእስፐስፍክሽን ብመሰረት
➢ ፕረንተር ብእስፐስፍክሽን ብመሰረት
1. ተጫረቲ ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉን ንግዲ ፍቃድ ዘለዎምን ዝሐደሱን
2. ነተጫረቲ ቫት ምምዝጋቦም ፣መለለዪ/ቲን/ ኣብ መቅረባይ ዝተመዝገበን ምዃኖምን ናይ የካቲት/2017 ዓ/ም ቫት ዝኸፈለሉ /ድክለሬሽን/መረዳእታ ከቕርቡ ዝክእሉ ክኾኑአለዎም፡፡
3. ናይ ጨረታ መትሓዚ ብር =20,000.00 ብሲፕኦ ወይም ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ኣለዎም፡፡
4. ንዝተዳለወ ናይ ተጫረቲ መምርሒን ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ዝሐዘን ንሕድሕድ ደኩመንት ን ዘይምለስ ብር 100/ሓደ ሚኢት ብር/ ብምኽፋል ካብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶትክ/ትግራይ ደ/ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ንብረት ምም/ር ቢሮ ቁፅሪ 4ን5ን ብምውሳድ ንዘቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ዋጋ ብምምላእ ብዝተኣሸገ ፖስታ ብምድላው እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ 18/09/2017 ዓ/ም እስካብ ዕለት 05/10/2017 ኣብ ስራሕ ሰዓት ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ብምእታው ትወዳደሩ ትኽእሉ።
5. እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 05/10/2017 ዓ/ም ስዓት 5፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5.30 ቅድሚ ሰዓት ተረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ይኸፈት፣
6. ባዓል መዚ ልምዓት እቶት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
7. ብተጫረቲ ዝምላእ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክውን ኣለዎ።
8. ኣብ ዝቅርብ ደኩመንት ሕድሕድ ገፅ ክቢ ማሕተምን ፊርማን ክግበረሉ ኣለዎ፡፡
9. ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን መራገፍን የቅርቡ።
10. ተወዳደርቲ ናይቲ ንብረት ሞዴል (Brand and Model) ክጠቅሲ ኣለዎም።
11. ተጫራታይ ንዘቅርቦ ንብረት ብናይ ባዕሉ መለክዒ (Specification)ክዳሎ ይግባእ
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 034440 18 75 ደዊልካ ምሕታት ይካኣል
NB ኣድራሻና ዓዲ ሓቂ ማሕበር ጉዱኣት ኩናት ህንፃ ይሓ 3 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 4/5 ጥቃ ዋና ቢሮ ደደቢት ማይክሮ ፋይናንስ