ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማ

ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታ

ትካልና ሱር ኮንስትራክሽን ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ን መቐለ ከተማ መንገዲ ስራሕቲ ፕሮጀክት ግልጋሎት ዝውዕል ዝተፈላለየ ዓይነት ንብረት ንምርጋፍን ንምፅዓንን በቲ ዘርፊ ሕጋዊ ፍቓድ ን ዘለዎም ማሕበራት ብፕሮፎርማ ኣዋዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡ በዚ መሰረት ድማ እዞም ዝስዕቡ ረቛሕታት እተማልኡ ማሕበራት/በቲ ዘርፊ ፍቓድ ዘለኩም ኣካላት በዞም ምስዚ ደበዳቤ ተታሓሒዞም ተቐሚጦም ዘለዉ ዝርዝር ሰደቓታት ትሕዝቶ መሰረት ክትሳተፉ ትኽእሉ/ላ

መምርሒ ተወዳደርቲ/ተጫረቲ

1. ናይ 2017 ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም/ዘለክን፤

2. ናይ ግብሪ ኸፋላይ ከቕርቡ ዝኽእሉ/ላ፤

3. ናይቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ሳዓሪ ዝኾነ ኣብ ውሽጢ 2 መዓልቲ ውዕሊ ኣሲሩ ስራሕ ክጅምር ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ፡፡

ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሓሉ ግዜ

ካብ ጉንበት 14 /2017 ዓ/ም ክሳብ ጉንበት 18 / 017 ዓ/ም ንተኸታታሊ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዝፀንሕ ይኸውን፡፡

ስለዝኾነ ናይዚ ምልክታ ፕሮፎርማ ጨረታ ረቛሒ ክተማልኡ ትኽእሉ በቲ ዘርፊ ፍቓድ ዘለኩም ማሕበራት ኣብቲ ዝተገለፀ መዓልቲ ውሽጢ ናይ መወዳደሪ ሰነድኩም ብምትሓዝ ክትወዳደሩ ትኽእሉ ምዃንኩም እንዳገለፅና መወዳደሪኹም ሽም፣ ኣድራሻን ናይ ትካልኩም/ማሕበርኩም ማህተምን ብምግባር ብሽምዒ ብዝተኣሸገ ፖስታ  ካብ ዕለት 14/09/2017 ዓ/ም ክሳብ 18/9/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ክተቐርቡ/ክትወዳደሩ ትኽእሉ፡፡ እቲ ፕሮፎረማ ዕለት 18/9/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 መቐለ ቀበሌ 06 ኣብ ዝርከብ ናይቲ ፕሮጀክት ጽ/ቤት ቢሮ ቑፅሪ 4 ይኽፈት፡፡

❖ መተሓሳሰቢ፦

✓ ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙልእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

✓ ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0912 046504 ወይ 0982 224665 ምድዋል ትኽእሉ ኢኹም፡፡