ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፅሪ 11/2017

ቑፅሪ/Ref No 836/ኢ-5/M-22

ዕለት / Dat 13/09/2017 ዓ/ም

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ አብ በጀት ዓመት 2017ዓ/ም ናይ ኤለክትሮኒክስ ዕድጊት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ::

በዚ መሰረት

• ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቓድን መቕረባይነት ዘለኩም፡፡

• ናይ ግብሪ ካፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /TN መረዳእታ ከተቅርቡ እትኸኣለ

• ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ 2017 ዓ/ም ናይ ወርሒ ለካቲት ቫት ዲክለረ ዝገበርኩምን።

• ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሰረት መሊኡ ከቅርብ አለዎ፡፡

• መቕረብቲ ካብ ዕለት 13/09/2017ዓ/ም ክሳብ 27/09/2017ዓ/ም ክሳብ ሰዓት11:30 ዘይምለስ ብር 200.00 ክልተ ሚኢት ብር /ብምክፋል | ሰነድ ጨረታ ብምውሳድን ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከአል፡፡

• መኸበሪ ጨረታ ብር 30,000.00/ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሺህ ብር/ ከም ምርጫ ናይቲ ተጫራታይ ካብዞም ዝስዕቡ ሓዲኡ ክትሕዝ ኣለዎ:

ሀ. ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና

ለ. ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክረዲት ዝቐርብ ውሕስና

ሒ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ቅድሚ እቲ ፖስታ ምኸፋቱ ከትሕዙ አለዎም ::

• ጨረታ ዝዕሸገለ ዕለት 28/09/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ፣ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይኸፈት፡፡

• ተጫረቲ ወይም ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን፡፡

• ዘድሊ በዝሒ ደኩመንት ኦርጅናል ምስ ሓደ ኮፒ በበይኖም ተዓሽጎም ከቅርብ ኣለዎ

• ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐለ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን25 መዓልቲ እዩ፡፡

• ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም ኣብቲ ቤት ዕዮና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ክመልኡ ኣለዎም።

• አብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር አይፍቀድን

• ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ጨረታ ናይ ድርጅትኩም ማህተም ከዓርፎ ኣሎዎ

• ቤት ዕዮና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ፡፡

• ካብ መንግስቲ መቕረባይነት ዝተኣገደ ዝኾነ ይኹን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን ፣

ኣድራሻ- ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ 1 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 105 /ወይ ኣብ ግራዉን ቢሮ ቁፅሪ 1/ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን። ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342406380 ምርካብ ይከኣል።