ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ዝዉገዱ ንብረታት

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ትግራይ ኣብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኢንዱስትሪ ዞንን ክላስተር ማእኸልን ከተማ ዉቕሮ ጣብያ ሓየሎም ፍሉይ ሽሙ ዋዝዋዞ ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ዘገለገሉ ኤጋ ሽት፣ RHS ኬንች፣ ቴንዲኖ ቁርፅራፅ፣ ማዕፆ ላሜራ፣ መስኮት ፍሬም፣ ኮለን ዝወደቀ አብ ዉሽጡ ዘሎ ቴንድኖ ብአካል ሪኡ ሰይሩ(አላቂቁ) ዋጋ ዘእቱ፡ ሃርድ ኮር እምን ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥን ከወግድን የደሊ፡፡

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ዝርዝር ረቛሒታት

1. ተጫረቲ ናይ ዚ ዓመት 2017 ዓ/ም በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድን ቲን ካርድን ኮፒ ተጌሩ ምስ ዋጋ መምልኢ ሰነድን ማህተም ዓሪፈሉ አብ ፖስታ ማህተም ተጌሩሉ ታዓሽጉ ክቐርብ ኣለዎ።

2. ጨረታ መኸበሪ ዋጋ ብር 20.000( ዒስራ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ቅድሚ ጨረታ ምኸፋቱ ከትሕዙ ይግባእ፡፡

3. ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኢንዱስትሪ ዞንን ክላስተር ማእኸልን ከተማ ወቕሮ ኣብ ቤት ፅሕፈት ወረዳ ምምሕዳር ሀንፃ 3ይ ደብሪ ካብ ዕለት 13/9/2017ዓ.ም ጀሚርኩም እስካብ ዕለት27 /09/2017ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ብር 100/ሓደ ሚኢቲ ቅርሺ/ ብምኸፋል ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ትኸእሉ፡፡

4. እቲ ጨረታ ዕለት 27/9/2017ዓ.ም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዪ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት አብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኢንዱስትሪ ዞንን ክላስተር ማእኸልን ከተማ ዉቕሮ ኣብ ቤት ፅሕፈት ወረዳ ምምሕዳር ሀንፃ 3ይ ደብሪ ይኸፈት ::

5. ብቤት ዕዮና አብ ብዝተዉሃበኩም ናይ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ጥራሕ ዋጋ መሊእዂም ተቕርቡ ኣለኩም፡፡

6. ተጫረቲ ቅድሚ ዋጋ ምምላእኹም እቲ ንብረት ኣብ ዝርከበሉ ቦታ አብ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኢንዱስትሪ ዞንን ክላስተር ማእኸልን ከተማ ዉቅሮ ጣብያ ሓየሎም ፍሉይ ሽሙ ዋዝዋዞ እናተብሃለ ዝፅዋዕ ከባቢ አብ ክላስተር ማእኸል ዉሽጢ ዝርከቡ ንብረታት ብአካል ተረኺብኩም ርኢኹም ናይ ንብረት መምዘኒ ሚዛን ናይ ባዕልኩም ተቕርቡ ምዃንኩም ነፍልጥ

7. ናይ ዝሰዓርክምዎ ንብረት መጋዓዓዚ ኩሉ ወፃኢታት ብናይ ባዕልኩም ዝሽፈን ምዃኑ ፈሊጥኩም አብ ግምት ኣእቲዂም ዋጋ ክትመልኡ ነፍልጥ፡፡

8. ኣብቲ ዝቐርብ ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን::

9. ናይ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ሰነድ ስምን ፊርማን ማህተምን ዝዓረፈሉን ብተወሳኺ ዝተሓተትክምዎ አብ ላዕሊ ተራ ቁፅሪ 1 (ሓደ)ዘሎ መረዳእታ ናይ ንግዲ ብሓባር አብ ፖስታ ተዓሽጉ ማህተም ዓሪፍሉ ክቐርብ አለዎ፡፡

10. ኣብ ጨረታ መኽፈቲ ዕለት ኩሎም ተረት ክርከቡ ንዕድም ኮይኑ ግን ተጫረቲ በቲ ዕለት ተዘይተረኺቦም ጨረታ በቲ ዝተቀመጠሉ ሰዓትን ዕለትን ዝኸፈት ምዃኑ ንሕብር:

11. ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ምስ ዝተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5' /ሓሙሽተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ካብ ዝሰዓሮ ጠቕላላ ዋጋ 5(ሓሙሽተ) ሚኢታዊ ንውዕል መኽበሪ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብ CPO ኣትሒዙ ውዕል ዝኣስር ምዃኑ ክፈልጥ ይግባእ::

12. ተጫራታይ (ውዕልተ ቀባሊ) ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ዝሕሰብ ኣብ ውሽጢ 20 ዒስራ ተኸታታሊ መዓልቲ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዓዚን ዘድሊ ወፃእን ሸፊኑ እቲ ንብረት የልዕል::

13. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኸፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፣፣

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0931486832 ወይ 0923305489 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡