መስፍን ኢንዱስትሪያል ኢንጂነሪንግ

ምልክታ ጨረታ

ትካልና መስፍን ሓፂን መፂንን ኢንጅነሪንግ ሓላ/ዝተ/ው/ማሕበር ተረፈ ምሕርቲ ማሽን (Chips) ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለዝደሊ ድሌትን ዓቅሚን ዘለኩም ነጋዶ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት መሰረት ብምግብር ኣብ ጨረታ ንክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም።

ናይ ጨረታ ረቛሒን ኩነታትን

1. ናይ'ዚ ጨረታ ተሳታፊ ናይ 2016/2017 ዓ.ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ከቕርብ ዝኸእል ክኾውን ኣሎዎ።

2. ተጫረቲ ንጨረታ ዝቐረበ ተረፈ ምሕርቲ (Chips) ካብ 20/05/25 G.C ክሳብ 06/06/25 G.C. ን15 መዓልቲ ኩሉ ጊዜ ንጎሆ ካብ ሰዓት 2:00-6:00 ድሕር ሰዓት ድማ ካብ ሰዓት 7:30- 10:30 ኣ.ግ ክርእዩ/ያ ይክእሉ/ላ፡፡

3. ተጫረቲ ዝተሓደሰ ንግድ ፈቓድ፣ግብሪ ከፋሊ ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ተጨማሪ እሴት ታክስ ሰነዳት ዝምለስ ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምሓዝ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 20/05/25 G.C ክሳብ 06/06/25 G.C ኩሉ ጊዜ ብስራሕ ሰዓት ካብ ሰዓት 2:00-10:30 ኣ.ግ ኣብ ዘሎ ጊዜ ብር 100.00 (ሓደ ሚእቲ ቅርሺ) ብምክፋል ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት መቐለ ካብ ኮርፖሬት ሳፕላይ መምርሒ ክረክቡ ይኸእሉ።

4. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ነዚ ተባሂሉ ኣብ ኮርፖሬት ሳፕላይ መምርሒ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ካብ 20/05/25 ክሳብ 07/06/25 G.C. ሰዓት 4:00 ኣ.ግ ከእትዉ ይክእለ

5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ ብ CPO ብር 10,000 (ዓሰርተ ሽሕቕርሺ) ምስ ጨረታ ሰነድ ኣተሓሒዞም ከእትው ይግባእ፡፡

6. ጨረታ ዕለት 07/06/2025 ኣ.ፈ ሰዓት 4:00 ንጉሆ ኣግ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣ.ግ ድሌት ዘሎዎም ተጫረቲ ወይም ወከልቶም ኣብ ዘለውዎ ይኸፈት፡፡

7. ተጫረቲ ኣብ ናይ ካሊእ ተጫራታይ ዋጋ ተደሪኾም ዋጋ ምእታው ኣይካኣልን፡፡ጨረታ ዶክመንት ማህተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ክዓርፎ ኣለዎ። ኣብ ጫረታ ሳንዱቕ ዝኣተወ ፖስታ ብምለሱለይ ብምንም መልክዑ ክምልስ ኣይከኣልን።

8. ተጫረቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምዃኑን ዘይምዃኑን ክጠቕሱ ይግባእ፡፡ እንተዘይ ተጠቒሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከም ዘይሓወሰ ተገይሩ ይሕሰብ፡፡

9. ተጫረቲ ንተረፈ ምሕርቲ ነፀላ ዋጋን ጠቕላላ ዋጋን ከርእዩ ዝግባእ እንትኮን ናይ ድምርን ስልሕትን ጌጋታት እንተሃሊዩ ተጫራታይ ሓላፊነት ይወስድ፤ትካልና ናይ ተጫራታይ ስልሕት ጌጋታት ናይ ምእራም ሓላፊነት ኣይወስድን፡፡

10. ሰዓሪ ተጫራቲ ንጨረታ ዝቐረበ ዝሰዓሩዎን ኣቑሑ ኩሉ ብኪሎን ብበዝሕን መሰረት ከልዕሉ ይግባእ።

11. ሰዓሪ ተጫራቲ ጨረታ ምስዓሮም ምስ ተነገሮም ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩን ዝሰዓሩዎ ተረፈ ምሕረቲ ብዉዕሊ መሰረት ከልዕሉ ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ንመክበሪ ጨረታ ዘትሐዞዎ ጥረ-ገንዘብ ንትካል ኣታዊ ኮይኑ ትካል ካሊእ መማረፂ ይወሰድ፡

12. ሰዓሪ ተጫራቲ ተረፈ ምሕረቲ እንትርከቡ ናይ በዝሒ ኣፈላላይ እንተጋጢሙ በቲ ዝተረኸበ በዝሒ መሰረት ኣቕሑ ናይ ምቅባል ግዴታ ኣለዎ ።

13. ሰዓሪ ተጫራቲ ምስዚ ጨረታ ምልዓል ዝተትሓሓዙ ኩሉ ዓይነት ወፃኢታት ማለት ናይ ሰብ ሓይሊ፣ ናይ ትራንስፖርት---ወዘተ ኩሉ ባዕሉ ክኸፍል ይግባእ፤ ትካልና ምስዚ ጨረታ ዝተትሓሓዘ ምንም ዓይነት ናይ ሰዓሪ ተጫራቲ ወፃኢታት ኣይሽፍንን።

14. ትካልና እቲ ጨረታ ብምሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ

ብስልኪ ቑፅሪ +251 914708567 ወይድማ +251914726169 ምድዋል ይክእሉ።