ትራንስ ኢትዮጽያ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

ቁፅሪ ጨረታ ST/003/2025

ዘገልገሉ ዝተፈላለዩ ዓይነት ንብረት ንምሻጥ ዝወፀ ናይ ጨረታ ሊስታ

ትራንስ ኢትዮጵያ ሓላ/ዝተ/ውልቀ ማሕበር ኣብ መቐለ ዋና ቢሮ ዝርከቡ ዘገልገሉ ንብረት ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ ። ስለዝኾነ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ መዐቀኒ ረቑሓታት ዘማልኡ ኣብቲ ጨረታ ንክሳተፍ ይዕድም።

1. ተጫራታይ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ከቕርብ ዝኽእ

2. ንጨረታ መኽበሪ ናይ ዘቕረብዎ ዋጋ 5% ብጥረ ገንዘብ ሀይም ብCPO መልክዕ ክትሕዝ ዝኽእል።

3. ጨረታ ዝሰዓረ ተጫራታይ ናይ ውዕሊ መኽበሪ (Performance Guaranty) ናይ ዝሰዓሮ 5% ብጥረ ገንዘብ ወይም ብCPO መልክዕ ከትሕዝ ዝኽእል።

4. ተጫረቲ ናይ ሕድሕድ ንመሸጣ ዝቐረበ ንብረት ዝገዝኣሉ ዋጋ ብግልፂ ከቅርብ ይግባእ።

5. ዘቅረብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰን ዘይሓወሰን ምዃኑ ብግልፂ ክቅመጥ ይግባእ። ተዘይኮይኑ ቫት ዘይሓወሰ ከምዝኾነ ተገይሩ ይውሰድ።

6. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ኣብቲ ጨረታ ንዝተዘርዘረ ንብረት ጨረታ ካብ ዝሰዓረሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ብናይ ባዕሉ መጓዓዓዚ ካብ መቐለ ዋና ቢሮ ከልዕል ይግባእ ተዘይተላዒሉ ቅድም ኢሉ ዘትሓዞ ውዕሊ መኸበሪ (Performance Guaranty) ገንዘብ ኣታዊ ተገይሩ እቲ ጨረታ ይስረዝ።

7. ተጫረቲ ካብ ጉንበት 11/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ዘይምለስ ብር 100 እናኸፈለ ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ኢንቨንተሪ ክወስዱ ይኽእሉ።

8. ተጫረቲ ናይቲ ጨረታ ዋጋ ብፖስታ ብምእሻግ ኣብ ኢንቨንተሪ ደይሬክተር ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ እስካብ ጉንበት 18/2017 ድሕሪ ሰዓት 8:00 ከእትው ይግባእ።

9. እቲ ጨረታ ጉንበት 18/2017 ድሕሪ ሰዓት 8:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዘለውዎ ኣብ ዓብይ መኣከቢ ኣደራሽ ቢሮ ይኽፈት።

10. ተጫረቲ ንዝደልይዎ ተወሳኺ መብርሂ ብቁፅሪ ስልኪ 034 440 88 98 ብምድዋል ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

11. እቲ ትካል ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኸፊል ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሓለወ እዩ።