ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፅሪ 10/2017
ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ አብ በጀት ዓመት 2017ዓ/ም ናይ መኪና ክራይ ሰርቪስ ዕድጊት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
በዚ መሰረት
- ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቓድን መቕረባይነት ዘለኩም፡፡
- ናይ ግብሪ ካፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /IN/ መረዳእታ ከተቅርቡ እትኽእሉ
- ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ 2017 ዓ/ም ናይ ወርሒ ለካቲት ቫት ዲክለረ ዝገበርኩምን።
- ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሰረት መሊኡ ከቅርብ አለዎ፡፡
- መቕረብቲ ካብ ዕለት 08/09/2017ዓ/ም ክሳብ 22/09/2017ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11:30 ዘይምለስ ብር 200.00
- /ክልተ ሚኢት ብር /ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ብምውሳድን ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል፡፡
- መኸበሪ ጨረታ ብር 50,000.00/ ሓምሳ ሽሕ ብር/ ከም ምርጫ ናይቲ ተጫራታይ ካብዞም ዝስዕቡ ሓዲኡ ክትሕዝ አለዎ፡
ሀ. ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና
ለ. ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክረዲት ዝቐርብ ውሕስና
ሐ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ቅድሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ከትሕዙ አለዎም
- ጨረታ ዝዕሸገለ ዕለት 25/09/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ፡ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይኸፈት፡፡
- ተጫረቲ ወይም ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን፡፡
- ዘድሊ በዝሒ ደኩመንት ኦርጅናል ምስ ሓደ ኮፒ በበይኖም ተዓሽጎም ከቅርብ አለዎ
- ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን25 መዓልቲ እዩ፡፡
- ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም ኣብቲ ቤት ዕዮና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ክመልኡ ኣለዎም።
- ኣብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር አይፍቀድን
- ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ጨረታ ናይ ድርጅትኩም ማህተም ከዓርፎ ኣሎዎ
- ቤት ዕዮና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ፡፡
- ካብ መንግስቲ መቕረባይነት ዝተኣገደ ዝኾነ ይኹን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን ፡
ኣድራሻ- ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ 1 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 105 /ወይ ኣብ ግራዉን ቢሮ ቁፅሪ 1/ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን። ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342406380 ምርካብ ይከኣል።