ኤጀንሲ መራከቢ ሓፋሽ ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፅሪ 10/2017

ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ አብ በጀት ዓመት 2017ዓ/ም ናይ መኪና ክራይ ሰርቪስ ዕድጊት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት

  • ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፈቓድን መቕረባይነት ዘለኩም፡፡
  • ናይ ግብሪ ካፋላይ መፍለይ ቁፅሪ /IN/ መረዳእታ ከተቅርቡ እትኽእሉ
  • ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ 2017 ዓ/ም ናይ ወርሒ ለካቲት ቫት ዲክለረ ዝገበርኩምን።
  • ተጫረቲ በቲ ዝቐረበ ዝርዝር /Specification/ መሰረት መሊኡ ከቅርብ አለዎ፡፡
  • መቕረብቲ ካብ ዕለት 08/09/2017ዓ/ም ክሳብ 22/09/2017ዓ/ም ክሳብ ሰዓት 11:30 ዘይምለስ ብር 200.00
  • /ክልተ ሚኢት ብር /ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ብምውሳድን ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል፡፡
  • መኸበሪ ጨረታ ብር 50,000.00/ ሓምሳ ሽሕ ብር/ ከም ምርጫ ናይቲ ተጫራታይ ካብዞም ዝስዕቡ ሓዲኡ ክትሕዝ አለዎ፡

    ሀ. ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና

    ለ. ብዘይ ሰዓር ሌተር ኦፍ ክረዲት ዝቐርብ ውሕስና

    ሐ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO ቅድሚ እቲ ፖስታ ምኽፋቱ ከትሕዙ አለዎም

  • ጨረታ ዝዕሸገለ ዕለት 25/09/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ፡ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ባዕሎም ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸቡ ይኸፈት፡፡
  • ተጫረቲ ወይም ወከልቶም እንተዘይተረኺቦም እቲ ጨረታ ንምኸፋት ዝዓግቶ የለን፡፡
  • ዘድሊ በዝሒ ደኩመንት ኦርጅናል ምስ ሓደ ኮፒ በበይኖም ተዓሽጎም ከቅርብ አለዎ
  • ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ እቲ ጨረታ ካብ ዝተኸፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን25 መዓልቲ እዩ፡፡
  • ተጫረቲ እቲ ዘቅርብዎ ዋጋ ምስ ቫቱ ደሚሮም ኣብቲ ቤት ዕዮና ኣብ ዘዳለዎ ሰነድ ክመልኡ ኣለዎም።
  • ኣብ መምልኢ ዋጋ ስርዝ ድልዝ ምግባር አይፍቀድን
  • ተሳተፍቲ አብ ሰነድ ጨረታ ናይ ድርጅትኩም ማህተም ከዓርፎ ኣሎዎ
  • ቤት ዕዮና ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይም ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ፡፡
  • ካብ መንግስቲ መቕረባይነት ዝተኣገደ ዝኾነ ይኹን ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይፍቀደሉን ፡

ኣድራሻ- ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ህንፃ 1 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 105 /ወይ ኣብ ግራዉን ቢሮ ቁፅሪ 1/ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን። ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342406380 ምርካብ ይከኣል።