ምልክታ ግልፂ ጨረታ ዝዉገድ ንብረት ይምልከት
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከተማ ሰሜን ኣብ ክ/ከተማና ኣብያተ ፅሕፈት ንዝርከብ ዘገልገሉ ንብረታት ይወገደልና ኢሎም ዝላኣኩልና ዝተሰበረ ናይ ኤለክትሮኒክስ ናይ በርሚል ጎማን በርሚል ሓፂንን ዝበሉ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ስለ ዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም፡፡
ስለዚ ነዚ ዝስዕብ ሮቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ እንትንዕድም
1. እቲ ዝዉገድ ንብረት ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ክ/ከ/ሰሜን አብ ዝ/ፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት ዝርከብ ምኳኑ።
2. ተጫረቲ እቲ ዝዉገድ ንብረት ኣብ ዘለሉ ቦታ/ ቤት ፅሕፈት ክ/ከተማ /ሰሜን ብኣካል ብምካድ ምርኣይ ዝካኣል ምኳኑ።
3. ተጫረቲ ናይቲ ዝዉገድ ንብረት ዋጋ ኣብ ሰነድ ጨረታ ብምምላኣ ብዝተዓሸገ ፖሰታ ከእትው ዝክእል /ትክእል
4. በዚ መሰረት ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ዝወገድ ንብረት ካብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋ/ክ/ከ/ሰሜን ከ/ሰ/ዕ/ንብ/ምም/ር ዘይምለሰ ብር 100 ብምኸፋል ምልክታ ካብ ዝውዕል ዕለት ጀሚሩ ሰነድ ምግዛኣ ይካኣለ።
5. ናይ ጨረታ መኸበሪ (ሲፒኦ) ወይ ብዝተፈለጠ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ቸክ 1000 ብር /ሰለስተ ሽሕ ብር ከትሕዝ ዝኸእለ /ትኸእል ።
6. እቲ ምልክታ ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ እዋን ካብ ዕለት 08/09/2017ዓ/ም ክሳብ 17/09/2017 ዓ/ም ዝፅንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ 18/09/2017 ዓ/ም ስዓት3:30 ናይ ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በዕለት 18/09/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ት/ፋ/ክ/ከ/ሰሜን ከ/ሰ/ዕ/ንብ/ምም/ር ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ዝክፈት ከይኑ እንተዘይተረኪቦም ግን እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይክልከልን ።
7. ተጫረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተነፀረ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ናይቲ ዝዉገድ ንብረት ዋጋ ኣታዊ ብምግባር ክውሰድ ዝክእል
8. ተጫራታይ ሰዓራይ ምኮኑ ምስተነፀረ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ናይቲ ዝዉገድ ንብረት ዋጋ ኣታዊ ብምግባር እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ ትራንሰፖርትን ክወሰድ ዝክእል ።
9. ቤትፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
10. ኣብ ጨረታ ሰነድ ዝኮነ ይኩን ፅሑፍ ምፅሓፍ ስርዝ ድልዝ ምግባር ኣይፍቀድን ።
11. ኣድራሻና 07 ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ክ/ከ/ሰሜን ፊት ለፊት ወይ ድማ ናይ ሆስፒታል መቀለ መዕፀፊ ሕልፍ ኢልካ ናይ ቀደም ሂራን ሆቴል ህንፃ ዝነበረ G ተ 4 ንርከብ ፡፡
12. ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 03 42 40 15 95 ደውልካ መብርሂ ምሕታት ትኸእሉ።
13. ናይ ጨረታ መዕፀውን መኸፈትን በዓል እንተዊዒሉ ኣብ ዝቕፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይክፈት ይኸውን።